ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንናይ እንስሳ መድሓኒት ዝውዕል ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዮ ዓዲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘሐደስኩም /ሕድሳት ዘይሓለፎ/::

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 መለለይ ካርዲ ካብ ቁፅፅር በዓል ስልጣን መቅረባይነት ዝተውሃቦ፣ካብ ቁፅፅር በዓል ስልጣን ዝተውሃበ ወረቀት ምስክር ብቅዓት መረጋገፂ ዘለኩም፤

4 ናይ መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ኣገልግሎት ዘመን ማለት Expire Date እቲ መድሓኒት ልዕሊ 2ተ ዓመት ዝኾነ እቲ ዝቀረበ መድሓኒት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ክኸውን ኣለዎ።

6 ንጨረታ መክበሪ 5000.00 ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 25.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ 9 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ እናተሓሳሰበና::ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ግልጋሎት ማይ ዓብይ ዓዲ ቢሮ ቁፅሪ 06፤

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት ካብ 26/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/05/2011 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 17/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 17/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ።

12 እቲ ዝሰዓረዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ከተማ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ናይ መጎዓዝያ ሓዊሱ ዘቅረብ፤መፍለይ ቁፅሪ ሰዓራይ ፋይናንሻል ጥራሕ እዩ።

13 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

14 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-460058 /1121 ብምድዋል ይሕተቱ:: ኣድራሻ :  ፊት ንፊት ኢትዩጰያ ንግዲ ባንክ ጨንፈር ዓ/ዓዲ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo