ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ንኤጀንሲ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ፅሬት፣ መለዋወጢ አቅሑ መኪናን ላፕቶፕ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ክልል ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ዝተሐደሰ ናይዚ ዘመን ዓም ክተቅርብ አለኩም።

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዝተመዝገብኩምዎ TIN ሰርቴፊኬት ክተቅርቡ አለኩም።

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ስርቴፊኬት ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም ዴክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም።

4 ናይ መቅረባይነት ሰርቴፌኬት ዝተመዝገብኩምን ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ክከዉን አለዎ።

5 ጨረታ ሰዓርቲ ሰዓራይ ምኻንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ 15 ተከታታሊ መዓልቲ ኣብ ዘይበልፅ ንብረት ብመጠን ብፅሬትን ኣታዊ ክትገብሩን ናይ ዘሸነፍኩምዎ ንብረት መፅዓንን መራገፍን ብናይ ባዕልኩም ወፃኢ ከም ዝኮነ ክትፈልጥዎ ይግባእ።

6 መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ እቲ ኮፒ እተቅርብዎ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ኣብ ሕድሕድ ገፅን ኢንቨሎፕ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ።

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ዘይምለስ 100 ብር፣ ንናውቲ ፅሬት ድማ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናኸፈልኩም ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋን ምምር ምውሳድ ትኽእሉ፤

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000 ብር፣ንናውቲ ፅሬት 2000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብCPO ክትሕዙ እትክእሉ።

9 ተጫረቲ ቫትን ዊዝ ሆልዲንግን ኣብ ቢሮ ተቆሪፁ አታዊ ዝግበር ምካኑ ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ዝሰዓርክምዎ ንብረት ድምር ልዕሊ ብር 5000 እንተኮይኑ ኤጀንስና ቫት ዝቆርፅ ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ።

10 እቲ ጨረታ ዕለት 20/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጉሆ ኣብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሙያ ክልል ትግራይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት።

11 ኤጀንሲና ዝሐሸ መማረፂ ተረኪቡና እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ ኮይኑ 20% ምዉሰክን ምቅናስን ዝክእል ምካኑ ነፍልጥ።

ንዝበለፀ ሐበሬታ ቀበሌ 17 ጥቃ ገብሬእል ቤተ ክርስትያን ዕደጋ ብዕራይ

ስልኪ ቁፅሪ 0342-415092 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo