ንሓፈሻዊ ሆስፒታል ኮረም ዘገልግሉ ምድብ 1 ኣቅሑት ፅሬት፣ ምድብ 2 ሕትመት፣ ምድብ 3 ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ምድብ 4 መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ምድብ 5 ኣቅሑት ቢሮን ጠረጴዛን ወንበርን፣ ምድብ 6 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ምድብ 7 ኣፋውስን ናውቲ ሕክምናን በቢዝምልከቶም ብዓዊዲ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ካብ ዘለዎም ነጋዶ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ።

ሆስፒታል ኮረም

1 ምድብ 3 6 7ተን ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘይሓትት ኮይኑ ንዝተረፉ ዘፈር ንግዲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾንኩም በቲ ትጫረትሉ ዘፈር ጥራሕ ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ኸፊልኩም ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ክተቅርቡን ትኽእሉ፤

2 በቲ እትወዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ዝተመዝገብኩምሉ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም፤

3 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን ዘለኩምን ክተቅርቡ እትክእሉን፤

4 ንምድብ 1 2 4 5ን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011ዓ/ም ወርሓዊ ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤ ንተጫረቲ ሎት 7 ዝተሓደሰ መረጋገፂ ብቅዓት መረዳእታ ዘለኩምን ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ብጥንቃቄ ተመሊኡ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ብዝተፈላለየ ዝተዓሸገ ስምዒ ፖስታ ዝተወሰደ ሰነድ ብሙሉእ ዝቀርብ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ይስረዝ።

7 ተጫረቲ ሰዓራይ ዝኮነ ኣካል ብመሰረት ዝኣተዎ ዉዕሊ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ሆስፒታል ኮረም ከቅርብ ዝክእል፤

8 ሳንዱቅ ጨረታ ካብ 2/05/2011 ዓ/ም ክሳብ 14/05/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ አየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ካብ ክፍሊ ፋይናስን ሆስፒታል ኮረም ምዉሳድ ይካኣል። ንምድብ 1 2 4 5 7ን ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ፣ንምድብ 3ን6 ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምዉሳድ ይካኣል።  

9 መከበሪ ጨረታ ንምድብ 1 2 4 5 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንምድብ 3 6 2000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንምድብ 7 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ዘትሕዝ፤

10 ሳንዱቅ ጨረታ 14/05/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ተረከቡ ኣይተረከቡ ብዝይገድስ ሰዓት 4፡30 ኣብ ሆስፒታል ኮረም ይክፈት።

11 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃሊዎም ጨረታ ንምክፋት 3 መዓልቲ ክተርፎ ከሎ እንተቅሪቦም ሕቶኦም ተቀባልነት የብሉን።

12 ኣብ በዝሒ 20% ናይ ምቅናስ ወይ ምውሳኽ መሰል ዝተሓለወ እዩ።

13 እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345-510059/0914-751209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo