ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ካብ ዝተመደበሉ በጀት ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ወረድኡ ዘገልግል ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር መቀያየሪ ንናይ ወረድኡ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ሕትመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን

1 ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/ Specification/ ምስራዝ አይካአልን።

2 ናይ 2010/2011ዓ/ም ሙሉእ ግብሪ ዝኸፈለ ወይ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን፤

3 እዚ ግልፂ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ክህልዎ ኣለዎ።

4 እዚ ግለፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብዘለዎ ይኽፈት በቲ ዝተባሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኺቡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘይለዉሉ ዝኽፈት ምኻኑ::

5 ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ንብረት በናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከቀርብ ዝኽእል፤

6 ንሓደ ደኩመንተ ዘይምለሰ ብር 100.00 ከፊሉ እቲ ጨረታሰነድ ካብ ቤ/ ፅሕፈትና እቶት ኤጀንሲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ክፍሊት ብምክፋል ክወዳደር ዝደሊ ፤

7 ተጫረትቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 4000/ ኣርባዕተ ሽሕ ብር/ ብ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል::

8 ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 25/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 10/05/2011 ዓ/ም ኮይኑ ዋንኡን ኮፒኡን ኮፒ ሓደ ኦርጅናል ብምምፃእ ነዚተባሂሉ ዝተዳለወ ናይጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል፤

9 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 10/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ሰዓት ይኽፈት ።መክፈቲ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ይከዉን።

10 ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

11 ናይ ግብሪ ከፈልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርድ / ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእልን ቫተ ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለረሽን መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእል::

12 እዚ ቤ/ፅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስ.ቁ 0344-460583/460052 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo