ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ማእኸል ቤት ህንፀት ሑመራ ካብ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበሉ በጀት ጀነሬተር በዓል 30 ኪሎ ዋት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ማእከል ቤት ህንፀት ሑመራ

1 ተወዳደርቲ በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ናይ ሕድሳት ግዚኡ ዘይሓለፎን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ከቅርቡ ኣለዎም።

2 ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾኑን መቅረበይነት ዘለዎምን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዝድለ መሊኦም ብንፁር ሽም ኣድራሻ ፊርማን ማህተምን ገይሮም ብዝተኣሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኖም ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ተወዳደርቲ ዝርዝር መረዳእታ ናይቲ ንብረት ዝገልፅ ቴክኒክ መገምገሚ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኖም ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 24/04/2011ዓ/ም ክሳብ 09/05/2011ዓ/ም ኮይኑ ሰዓት 4:00 ቅ.ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ቅ.ሰዓት ይኽፈት።

6 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መረዳእታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ህንፀት ሑመራ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ቁፅሪ 01 ምውሳድ ይኽእሉ።

7 መሊኦም እንትምልሱ ውን ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ክፍሊ 01 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ የእትው።

8 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ዝምለስ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ብሽም ቤት ህንፀት ሑመራ ከትሕዙ ኣለዎም።

9 ተወዳዳራይ ሰዓራይ ምኻኑ ምስተፈለጠ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝኽእል፤

10 ዝሰዓረ ተጫራታይ ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ መውሃቢ መዓልቲ  ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ሕጋዊ ውዕሊ ክኣስሩ ኣለዎም።

11 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 60 መዓልቲ ይኸውን።

12 እቲ ማእኸል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-480631/0859/0542 ደዊሎም ምሕታት ይከአል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo