መባእታዊ ሆስፒታል ሃ/ሰላም ንበጀት ዓመት 2011ዓ/ም ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ቀወምትን ሃለቅትን ኣቅሑት ፅሕፈት መሳርሒ፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ናይ ማይ ኣቅሑት፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት፣ ደንቢ ክዳን፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሕትመት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

መባእታዊ ሆስፒታል ሃገረ ሰላም

1 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰ ምቅራብ

2 ዝተመዝገብሉ መለለይ ካርዲ ምቅራብ

3 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ምስክር ወረቀት ተቅርቡ

4 ናይ ወርሒ ሕዳር 2011ዓ/ም ዲክለሬሽን ዝኸፈልሉ ተቅርቡ

5 መቅረባይ ምስክር ወረቀት ተቅርቡ

6 ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ቫት ሓዊሱ ክምለእ ኣለዎ።ቫት እንተዘይመሊኦም ቫት ከምዝሓወስሉ ተገይሩ ይውሰድ፤

7 ተጫረቲ ብክልተ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኦርጂናል ንበይኑ ኮፒ ንበይኑ ዓሺግኩም ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፁን የእትው።

8 ጨረታ መኸበሪ ንሕድሕድ ሎት ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዘትሕዘ፤

9 እቲ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ክሳብ ዕለት 08/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ሰዓት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ።

10 ዝተዳለወ ጨረታ ኩሉ ሎት ዕለት 08/05/2011 ሰዓት 3:00 ቅ.ሰዓት ይዕሸግ።

11 ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸውን።ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘይምህላው ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

12 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ መባእተዊ ሆስፒታል ሀ/ሰላም ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ኮይኑ ንፅሕፈት መሳርሒን ሕትመትን ዕለት 08/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንህንፃ መሳርሒ ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ማይ ፅሬት ኤሌክትሮኒክስ ደንቢ ክዳን 09/05/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ይኸውን።

13 ዘሸነፈ ተጫራታይ ንዘሸነፎም ኣቅሑት መጓዓዓዚ ኮነ መፅዓኒ መራገፍን ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ይሽፈን። ናብ ሆስፒታል ሃ/ሰላም የረክብ።

14 ተጫራታይ እቲ ጨረታ ኣሸኒፍካ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 10 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት ናብ ሆስፒታል ሃ/ሰላም የረክብ።

15 ተጫራታይ ብውዕሉ መሰረት ብእዋኑ ኣቅሑ ንዘይኣቅረበ በቲ ናይ ጨረታ መምርሒ መሰረት ኣብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቅፃዕ።

16 ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ ኣብቲ ዝወሰዶ ናይቲ ትካል ዝተዳለወ ባዶ ሰነድ ጨረታ ብትኽክል ኣቅሚጡ ክመልእ ኣለዎ።ካብኡ ወፃኢ ብካልእ ሰነድ ዘቅርብ ተቐባልነት የብሉን።

17 ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ኣይፍቀድን።

18 ኣብ ዘቅረቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ስም ፊርማ ኣድራሻን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ናይቲ መቅረባይ ድርጅት ብትኽክል ከቀምጥ ኣለዎ።

19 እቲ ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

20 ሰነድ ጨረታ ካብ መ/ሆ/ሃ/ሰላም ዕ/ፋ/ምም/ንብረትን 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0343-390470 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo