2ይ ግዜ ጨረታ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ንተምሃሮ ቀለብ ፓስታ፣ ማኮረኒ፣ ሩዝ፣ ማልማላታ፣ ኣስሊ፣ ቲማቲም ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም።

 1 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሐደሰ ከቅርብ ዝክእል

2 ቲን ናምበር ምስ ንግዲ ፍቃድ ፎቶ ኮፒ ገይሮም ከትሕዙ አለዎም

3 ቫት ወይ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መስከረም ወርሒ 2011 ዓ/ም ዲክላርሲዮን ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ናይ 2011 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምዝገባ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ናይቲ ጨረታ መኸበሪ ብስፒኦ ብር 5,000.00 ከቅርብ ዝክእል፤

6 ካብ እስፐሲፊኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን።

7 እዚ ጨረታ ሲዒርኩም ምስ ተብሃለ አብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕል አሲሩ እቲ ንብረት ከቅርብ ዝክእል፤

8 አብቲ ጨረታ ሰነድ ምስ ሙሉእ ናይ ትካልኩም ማህተምን ሽምን ይጠቀሙ።

9 እቲ ጨረታ ቤት ትምህርቲና 20% ናይቲ ንብረት ምቅናስን ምዉሳክን ይክእል እዩ

10 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 20.00 (ዒስራ ቅርሺ ጥራሕ) ብምኽፋል ኣብ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቢሮ ቑፅሪ - 25 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ አብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ትኽእሉ ::

11 እዚ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 02/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 4:30 ይኽፈት::

12 ቤት ት/ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0345-599841 ምድዋል ይካኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo