ቢሮ ኮንስትራክሽን ፣መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ዝተፈላለየ ዘገልገለ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ኮ/መ/ት

1 መኸበሪ ጨረታ ብር 2110.00 (ክልተ ሽሕን ሓደ ሚኢቲን ዓሰርተን ብር ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ደማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኸእል፤

2 ተጫራታይ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ክወስድ ዝኽእል፤

3 ታጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ገንዘብ ኣታዊ ገይሩ ንብረት እንተዘይተወሲዱ ንመኸበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ንመንግስቲ ኣታዊ ይኸውን።

4 ተጫረቲ እተቅርብዎ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብንፁር ተመሊኡ ክቐርብ ይግባእ ንፁር እንተዘይኮይኑ ግና ካብቲ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።

5 ንመሸጣ ዝተዳለወ ንብረት ናብ ቢሮና ኣብ ኣጉላዕ ከተማ ናብ ዝርከብ ማእኸል መሰልጠኒን ብምምፃእ ኩነታት እቲ ንብረት ሪኦም ዋጋ ክመልኡ ኣለዎም።

6 ንመሸጣ ዝተዳለወ ዝርዝር ንብረት ካብ ቢሮና ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ካብ ዕለት 22/04/2011 -03/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ኣብቲ ዝርከብ ናይ ክልል ቢሮታት ሓበራዊ ህንፃ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፀሪ 171 ክተቐርቡ ንዕድም።

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 3/05/2011ዓ/ም 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኾይኑ ተጫረቲ እንተዘይተረኺቦም ውን እቲ ጨረታ ዝኽፈት ይኸውን።

8 ተጫረቲ ኣድራሻኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ብንፁር ከቀምጡ ይግባእ።ዝተሓደሰ መለለይ ካርዲ ምስቲ ጨረታ ሰነድ ከተሓሕዙ ኣለዎም።

9 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-403384/0342-406594 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo