ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ን2011 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ናይ ፈርኒቸር፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ደንቢ ክዳን ፣ ናይ ፅሬት ኣቅሑት፣ ንፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑትን ካብ ሕጋውያን መቅረብቲ በቲ ዘርፊ ካብ ዝተመዝገቡ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብን ብመምርሒ ሕደሳ ናይ ምሕዳስ ግዚኡ ዘይሓለፎን ዘሓደሰን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፀሪ ቲን ናምበር ዘለዎ፣ ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን ሙሉእ ገፅ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ፤

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ ናይ ቢድ ቦንድ 5000.00 ሽሕ ብሽም ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ።

4 ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ብቤት ፅሕፈትና ብዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ እዩ።

5 ዋጋ ዝመልኣሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዕ/ፋ/ምም/ር ንሕድሕድ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ) ጥራሕ ብምክፋል ካብ ዕለት 09/04/2011ዓ/ም ክሳብ 24/04/2011 ዓ/ም ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ ተመሊኡ ብፖስታ ተዓሺጉ ንዕኡ ተባሂሉ ኣብ ዕ/ፋይ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ  ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 24/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ዘእትው፤

7 እቲ ሰነድ ጨረታ ዕለት 24/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ ልክዕ ሰዓት 9:00 ይኽፈት። መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። ብተመሳሳሊ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ኦርጂናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ክቀርብ ኣለዎ።

8 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተወዳዳራይ ናይ ቫት ተመዝገቢ ዝኾነን ክሳብ ታህሳስ/2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቅርብ፤

9 ተጫረቲ ንዝሰዓሩዎ ዓይነት ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዐኒን መራገፊን መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና ብውዕሎም መሰረት ኣታዊ ዝገብሩ፤

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ገዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ ጥራሕ እዩ።

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 ቤት ፅሕፈትነና ሰዓራይ ኣብ ዝመረፀሉ እዋን ካብቲ መጀመሪያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቅሓ ዋጋ ክሳብ 20% ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ናይ ምቅናስ ወይ ምውሳኽ መሰሉ ሕሉው ከምዝኾነ፤

13 ነቲ ዝተጫረቶ ንብረት ሙሉእ ውሕስና ክህብ ዝኽእል፤

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0344-406590 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo