ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ መኪና ዲኮር፣ ናይ ሞተር ሳይክል ስፔር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ረቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ መለለይ ቁፅሪ ቲን /TIN/: መቅረባይ ሰርተፊኬት : VAT ተመዝገብቲን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክለረሽን ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝ ቲም ዕዳጋ ካብ ዕለት 17/04/2011ዓ/ም ጀሚሩ ብር ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል::

3 ጨረታ መኸበሪ ናይ መኪና ዲኮር 8000.00 (ሸሞንተ ሽሕ ቅርሺ)፣ ናይ ሞተር ሳይክል 8000.00 (ሸሞንተ ሽሕ ቅርሺ) ብስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስ ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 02/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት::

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ/ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ/ በብበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ብኽልተ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል::

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7 ኣድራሻና- ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ክፍሊ ቁፅሪ 34 እዩ 

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 -408757 /0344-408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo