ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ዝርከብ ዝውገድ ንብረት ኮይኑ ፣ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ዝርከቡ ግልጋሎት እናሃቡ ዝፀንሑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት፣ ኮምፒተራት፣ ፕሪንተራት፣ ፎቶ ኮፒ፣ መሽን ላፕቶፕ፣ ዩፒኤስ ከልኦት በራሚል፣ ተሽከርከርቲ ስፖንጅ ወንበር፣ ምሳር፣ ናይ መኪና ቦዲ ወዘተ ዝመሳሰሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝርዝር ንዝቀረቡ ረቋሕታት አተማለኡ ክትወዳደሩ እትደልዩ ከባቢ ሕ/ሰብ (ግለ ሰባት) ፣(ውልቀ ነጋዶ) ኣብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን መፂእኩም ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረቋሕታት

 1 ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከተማ ዳውሃን ዝርከብ ኮይኑ እቲ ዓይነት ንብረት ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ዝቐቀረበ እንትኸውን ብኣካል እናመፁ ብምርኣይ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15/04/2011 ዓ/ም ጀሚሩ - 25/04/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ክወስዱ ይኽእሉ።

2 እቲ ጨረታ ዕለት 25/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት 25/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

3 ካፈቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ብምውሳድ ንሕድሕድ ዓይነት ንበረት ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ጨረታ ምዕፃው ንዝመፅአ ጨረታ ሰነድ ተቐባልነት የብሉን።

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ትሕጃ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ) ትሕጃ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

6 ተጫረቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ገንዘቡ ጠቅሊሉ ብምኽፋል ንብረቱ ከልዕል ዝኽእል፤

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

8 ጨረታ ሳፁን ዝርከበሉ ቦታ ቤ/ፅሕፈት ት/ፋ/ወ/ኢሮብ ከ/ስ/ፋይ/ዕ/ንበ/ምም/ርን ምዃኑ ንሕብር።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo