ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ምድብ 1- ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ላፕቶፕ፣ ዲስክ ኮምፒዩተር ፣ ምድብ 2 ናይ ምርምር መሳርሒ ኣቅሑት (poultry Equipment) ፣ ጀነሬተር በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቆሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትክእሉ ነፍልጥ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ: መቅረባይነት ሰርተፊኬት :ቲን ናምበር :ቫት ሰርተፈኬት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ 5,000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብስም ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም CPO ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ:;

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝገብቲን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011 ዓ/ም  ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ኸቕርቡ ኣለዎም::

4 ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻል ቴክኒካል ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ከቀርብ ዘለዎ እንትኮን ብተወሳኪ ፋናንሻል ቴክኒካል ኮፒ ንሕድሕድ ኣብ ፖስታ ታዓሺጉ ክቀርብን ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህለዎ ይግባእ

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ዘይምለስ 50.00  ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይኽእሉ

6 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪቑፅሪ 0344-402801 ክሓቱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 16/04/2011 ዓ/ም እስካብ 03/05/2011 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 03/05/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኽፈት ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ግዜ እንተይዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጎጉልን::

8 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፀሪ 0344-417798/402801 ፋክስ 0344-408028 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo