ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ንሓረስቶት ዝዕደል ሶላር መብራህቲ፣ ኣቅሑት ቢሮን መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ማይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ

1 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም መቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

2 ተጫረቲ ነናይ ባዕሉ ዘፈር ንግዲ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ።

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኾኑን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 መኸበሪ ጨረታ ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 10000.00ሽሕ ቅርሺ፣ ንመለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ማይ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑት ቢሮ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሶላር መብራህቲ 2000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ኾይኑ ከትሕዝ ኣለዎ።

5 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሰዓራይ ምዃኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ መረዳእታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ማህተሞምን ከዕርፉ ይግባእ።

7 ተጫረቲ ኣብ ተቅርበዎ ሰነድ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

8 ጨረታ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ከይሳተፉ ይገብር።  

9 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ከምኡውን ዝተማልአ መረዳእታ ይኽፈት።

10 ተጫረቱ ድሕሪ ሳንዱቅ ምኽፋቱ ኣብ ጨረታ ምስታፍ ኣይከኣልን። ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን።

11  ተጫረቲ ዘቀረበዎ ዋናን ቅዳሕን ንበይኑ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ክፃሓፍ ኣለዎ።

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 45 መዓልቲ ይኸውን።

13 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

15 ጨረታ ዝዕፀወሉ 25/04/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

መብርሂ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 0343-400033 /0343-400010 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo