ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንዳ ባጉና ንከተማ እንዳ ባጉና ኣገልግሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንዳባ ጉና

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል፤

2 ሕጋዊ መቅረባይነት ዘለዎም ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል፤   

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ናይ ወርሒ መስከረም 2011ዓ/ም ፀብፃብ ዝገበረሉ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ 10-24/04/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ይኸውን።

6 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንዳ  ባጉና ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ንብረትን ምውሳድ ትኽእሉ።

7 ሰነድ ጨረታ 25/04/2011ዓ/ም ሰዓት 2:30 ተዓፅዩ ሰዓት 3:00 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለውሉ ይኽፈት።ኮይኑ ግና ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ከይተኸፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን።

8 መኸበሪ ጨረታ 20000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ አለዎም።

9 እቲ ተጫራተይ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 4ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክአስር ኣለዎ።

10 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሉ ፊርማን ማህተምን ኣብ ነብሲ ወከፍ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጉ ከእቱ ይግባእ።

11 ቤት ማዛጋጃ ጨረታ ምስተኸፈተ ከምኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

12 ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ከቅርቡ ኣለዎም።

13 ሰዓራይ ጨረታ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10ተ መዓልቲ ብናይ ባዕሉመጓዓዝያ ኣጓዓዒዙ ናብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንዳ ባጉና ከረክብ ኣለዎ።

14 አብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት እንተዘይኣረኪቡ ሰዓራይ ጨረታ 0.01 ወይ 1/1000 ኣብ መዓልቲ ተቀፂዑ ኣታዊ ይገብር።

15 ናይ እትወዳደርዎ ዓይነት ንብረት ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ ኣለኩም።

16 ናይ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ናይ ሓደ ዓመት ውሕሰና ክህብ ዝኸእልን ውዕሊ ክኣስሩን ዝኽእሉን

17 ሰዓራይ ውዕሊ ክኣስር እንተሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

18 ጨረታ በዘይ ኣግባብ ምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

19 እቲ ቤት ማዛጋጃ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

20 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብኽልተ ፖስታ ዓሺጎም ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣተዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

21 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 04 ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን ይርከብ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-610604 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo