ናይ ከተማ ዉቕሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ግልፂ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቕሮ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ንከተማ ዉቕሮ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ

ናይ ከተማ ዉቕሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ግልፂ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቕሮ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ንከተማ ዉቕሮ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል

  • ፅሕፈት መሳርሒ
  • ፅሬት መሳርሒ
  • ኤሌክትሮኒክስ
  • ቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቑሑት (ናይ ቢሮ ፈርኒቸር)
  • ስፖርት ዕጥቂ
  • ብስክሌት
  • ሞተር ሳይክልን ጀነሬተርን
  • ብስክሌት ስፔር
  • ሞተር ሳይክል ስፔር
  • መኪና ስፔር
  • ሕትመት
  • መፃሕፍቲ
  • ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት
  • ህንፃ መሳርሒ

ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓ/ም ቫት ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡን

2 ናይ 2008 ዓ/ም ንግድን ሞያ ፍቃድን ዘሐደሱ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

3 ብኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግበሪ ከፈልቲ መለለይ ካርድ /ቲን /ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

4 ናይ ጨረታ መክብሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፊኬት ስፒኦ ጥረ ገንዘብ

  • ፅሕፈት መሳርሒ  =  5000.00
  • ፅሬት መሳርሒ    =  1000.00
  • ኤሌክትሮኒክስ     =  5000.00
  • ቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቑሑት (ናይ ቢሮ ፈርኒቸር) =  5000.00
  • ስፖርት ዕጥቂ      =  3000.00
  • ብስክሌት        =  3000.00
  • ሞተር ሳይክልን ጀነሬተርን  =  5000.00
  • ብስክሌት ስፔር     =  1000.00
  • ሞተር ሳይክል ስፔር  =  3000.00
  • መኪና ስፔር         =  3000.00
  • መፃሕፍቲ           =  1000.00
  • ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት  = 5000.00
  • ሕትመት            = 3000.00
  • ህንፃ መሳርሒ   =  3000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉን ከምኡዉን
  • ንፅሕፈት መሳርሒ: ኤሌክትሮኒክስ :ንቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቁሑት :ሞተር ሳይክልን ጀነሬተርን: ኤሌክትሪክ አቑሐት ንሕድሕዶም ዘይምለስ ብር 50.00 (ሓምሳ ብር) ጥራሕ
  • ፅሬት መሳርሒ: ስፖርት ዕጥቂ: ብስክሌት: ብስክሌት ስፔር :ሞተር ሳይክል ስፔር :መኪና ስፔር :ሕትመት :መፃሕፍቲ :ህንፃ መሳርሒ ንሕድሕዶም ዘይምለስ ብር 30.00( ሰላሳ ብር) ጥራሕ

ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 13/12/2007 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ አብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጉም ነፃላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ይገብሩ ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይ/ስራ/ዕዳ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ይኸዉን

5 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሰብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላል ኣይኽእሉን

6 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 28/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ዕለት 28/12/2007 ዓ/ም ሰዓት 3:30  ቅድሚ ቀትሪ ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃልዩም ይምረፅ

7 ተጫረቲ አብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ምብፅሑ ይኸዉን

8  እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተኸፈተ ከምኣድላይነቱ ናይቱ ዝግዛእ መጠን ንብረት ክሳብ 20% ክዉስክን ወይ ክቕንስን ይኽእል

9 ዘሸነፎም ንብረት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈትና አታዊ ይገብሩ

10 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430083/339 ደዊሎም ክረኽቡና ይኽእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo