ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ንከተማታት መቐለ ፣ ኣክሱም፣ ዓዲግራት፣ ሽረን ኔት ዎርክ ኬብሊንግ ( ኔትዎርክ ኬብሊንግ ኢንስታሌሽን) ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ።

ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ

1 ናይ 2011ዓ/ም በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤ ወረቀት ምስክር መለለይ ከፋሊ ግብሪን ተወሳኺ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘቅረብኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

4 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ኤጀንሲ ኮምፕሌክስ ህንፃ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 229 ብምምፃእ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ካብ 03/04/2011ዓ/ም ክሳብ 18/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ዋጋ መሊእኹም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ  ኣታዊ ምግባር ይከኣል።

6 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከቅርቡ አለዎም።

7 እቲ ጨረታ 18/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ሰዓት 4:30 ኣብ ኤጀንሲ ምዝገባን መረዳእታን ትሕዝቶ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን 2ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 229 ይክፈት።

8 ሰዓርቲ ጨረታ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ መኸበሪ ውዕሊ ብምሓዝ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልታት ናይ ስራሕ ውዕሊ ክተኣስሩ ትኽእሉ።

9 ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኹምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 60 ተኸታተልቲ መዓልታት እቲ ናይ ኔትዎርክ ኬብሊንግ ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል፤

10 ሰነድ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ቆሪፁ ዘትረፈ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።

11 እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ዉይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-405423 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo