ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሁመራ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2011 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግበሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ፤

4 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክሉ

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርክምዉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ናብ ሆስፒታል ዋጋ ብዘይምቅያር ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ፤

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ስምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ።

7 ተጫረቲ ዘይምለስ 25.00 ቅርሺ እናከፈለኩም ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካህሳይ አበራ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 163 ካብ 01/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 19/04/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክሳብ ሰዓት 11:00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ።

8ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 3000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ክተትሕዙ ትክእሉ ፤

9 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ፤

10 እዚ ጨረታ 22/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 163 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን።

11 እቲ ሆስፒታል ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እዚ ጨረታ ምስተኸፈተ ሆስፒታልና ናይ ዝግዛአ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል።

13 ተወዳደርቲ እቲ ተቅርብዎ ንብረት ብፅሬት ኮምቴ ተፈቲሹ ተኽክለኛቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

14 ተጫረቲ ምስ ቤት ዕዩ ትገብርዎ ርክብ ብፅሑፍ ከኸውን ኣለዎ።

15 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ንእትመልኡ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ እንተዘይኣመልኪትኩም ዝመልኣኹምዎ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተገይሩ ታክስ ተገይሩ ይውሰድ።

16 ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ዋና ሰነድ ሒዝኩም ክትርከቡ ኣለኩም።

17 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-481035 / 0344-480011 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo