ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ሰላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ኮምፒዩተር ተዛመድትን ፅገና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግልጋሎት ክገዝእ ይደሊ ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክተወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝስዕብ ሮቆሒ አማልአኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም፡፡

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም

1 ናይ 2010 ዓ/ም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ  ንግዲ  ፍቓድ ዘለዎ ኮይኑ ኮፒ ገይሩ ዘቅርብ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ (TIN NO) ዝሐዝኩምን

3 ኣብ መንግስቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ቅርብ ዝክእልን::

ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም  ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት (ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና) ብደብዳቤ ተገሊፅልኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ  ክሳብ 30/10/2011 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኩም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ  ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) እናኸፈኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 28/03/2011 ዐ/ም ክሳብ 12/04/2011ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:00 ናይ ምሸት እናመፃእኹም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትኽእሉ፤

7 እቲ ጨረታ ዕለት 15/04/2011 ዓ/ም ልክዕ 4:00 ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:10 ቀትሪ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስለሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን   ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይክፈት።

8 ተጫረቲ በቢዝመልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ኮምፒተርን ተዛመድትን  ፅገና ብር 1000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ።

9 ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20% ክዉስክን ወይ  ክቅንስን ዝክእል ምኻኑ::

10 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ  ሕልዉ እዩ ::

    ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን  ቑፅሪ 0347-730211 ደዊልኩም  ሕተቱ:: 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo