ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ንዝመፁ ተገልገልቲ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ኣወዳዲሩ ፎቶ ንምልዓል ግልጋሎት ን 1 ዓመት ክረክብ ይደሊ።

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ስለዚ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ በዚ ዝስዕብ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝኽእል፤

2 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ፎቶ ንግዲ ፍቃድን፣ መለለይ ግብሪ ከፋልነት (Tin Number) ፣ናይ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገብሉ ሰርቲፊኬት ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ተወዳደርቲ መበገሲ ወርሓዊ ክፍሊት ብር 20000.00 ምዃኑ ፊጦም ዋጋ ከቐምጡ ዝኽእሉ ምዃኖም ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ።

4 ተጫረቲ ናይ ሓደ ፎቶ ንህፁፅ ይኹን መደበኛ ዋጋ ብር 20.00 ምዃኑ ተረዲኦም ክወዳደሩ ይግባእ።

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 1000.00 /ሓደ ሽሕ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝክእሉ።

6 ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 04 ዘይምለስ ብር 20.00 /ዒስራ ብር /ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 11/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ስራ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቅላላን ዋጋ መሊኦም ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብጥንቃቀ ዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ፊርማን ማህተምን ብምግባር ኣብ ልዕሊ ፖስታ ብዓብይ ፅሑፍ ኮፒ ኦርጅናል ዝብል ፅሑፍ ክህልዎ ኣለዎ። ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ፖስታ ማህተም ትካልኩም ክዓርፈሉ ኣለዎ።

7 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከብሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳርን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸዉን

8 ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን አይክእሉን።

9 ጨረታ ዕለት11/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን።

10 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉን እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን።

11 ሰዓራይ ኮይኑ እንትፍለ በቲ ማእኸል ኣብ ዝተኸልከለ ቦታ ፎቶ ምልዓል ከምዘይክእሉ ርዱእ ዘገብር፤

12 ተወዳዳራይ ኣብቲ ትካል ዝህቦ ግልጋሎት ፎቶ ጥራሕ ምዃኑ ኣሚኑ ክወዳደር ኣለዎ። ቪድዩ ምልዓል ግን ኣይከኣልን።

13 ንመጎብነይቲ ብትኽክል ዝፈልጥዎን በቲ ማእከል ብስልጠናን ፅሑፍን ዝተውሃበ ታሪኽ መሰረት ብምግባር ጥራሕ ሓበሬታ ክህብ ዝኽእል፤

13 ካብ ተገልገልቲ ደሌት ወፃኢ ፎቶ ምልዓል ዘይፍቀድ ምዃኑ ርዱእ ዝገብር፤

14 ክፍሊት ግልጋሎት ክራይ በብወርሑ ኣታዊ ከገብር ዝክእል፤

15 ተወዳደርቲ ድሕሪ ምስዓሮም እኹል ግልጋሎት ክህቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ርዱእ ዝገብሩ፤

16 ሰዓራይ ካብ ዝተነፀረሉ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤

17 ዋጋ ዝምላእ ማእኸልና ብዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ኾይኑ ናይ ተወዳዳራይ ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ኣለዎ።

18 እቲ ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0342-400058 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

National Regional State of Tigray Martyrs’ Memorial Monument center

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo