አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ን ሆስፒታሉ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን ካብ ሕጋዊ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ::

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣለማጣ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተቐመጠ ረቑሒ ተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 በቲ ዘፈር ናይ 2010ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: መለለይ ቁፅሪ: ናይ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለዎም

2 መክብሪ ጨረታ ን መድሓኒት 16000.00 (ዓሰርተ ሽድሽተ ሽሕ ቅርሺ ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብድሕሪቱ ናይ ባንኪ ማሕተም ዝዓረፎ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፤ 

3 ሰዓራይ ምካኑ ምስ ፈለጠ ድሕሪ ቅሬታ መቅረቢ እዋን አብ ዉሽጢ 3 ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10% ናይ ዉዕሊ መክበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብድሕሪቱ ናይ ባንኪ ማሕተም ዝዓረፎ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፤ 

4 ሳዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ናብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ዝክእል፤

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 27/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 11/04/2011 ዓ/ም አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 50.00 ብር ብምክፋል ይወስዱ

6 እቲ ጨረታ ዕለት 12/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:45 ድሕሪ ቐትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ አብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ይኽፈት።

7 ካብቲ ዘሸነፍዎ በዝሒ ንብረት 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ይከኣል።

8 ሆስፒታልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኵን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 0347-740251 ምሕታት ይክእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo