ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ንዝተፈላለዩ ከይዲ ስራሕትታት ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከሐትምን ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣስደገ ፅምብላ

1 ናይ 2011/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ወረቀት መቅረባይነትን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎም፤ ተመዝገብቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾኑን ናይ ወርሒ ሕዳር 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝገበርሉን ዝተሓተተ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝኽእል፤ ዘይምለስ ቅዳሕ ግልፅን ተነባቢን ዘቅርብ፤

3 ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ፣ ካብ ትኽክለኛ ንብረት ወፃኢ ምቅራብ፣ ካብ ዝተቀመጡ መዐቀኒ ወፃኢ ከቅርብ ምፍታን ፣ ዘይዘርፊ ንግዲካ ምውድዳርን፣ ካልኦትን ሕጊ ጨረታ ዘዛብዕ ስራሕቲ ዘይፍቀድ ምዃኑን መዐቀኒ ከይተለወጠ ትካልና ብዝመረፆ ብዝኣመነሉን መርኣይ መሰረት ዘቅርብ፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30.00ቅርሺ ብምክፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ አስገደ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ብምውሳድ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ አስገደ ፅምብላ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ንዝተዳለወ መቀበሊ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል።

5 እቲ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ንተኸታተልቲ 40 መዓልቲ ኾይኑ መቅረባይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዝተብሃለ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ እንዳባጉና ባዕሉ ኣጓዓዒዙ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

6 ንዝስዓሮ ንብረት 10% ዘትሕዝ ንዝመልኦ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሓዊሱ ይመልእ።

7 ንመኸበሪ  ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ዘትሕዝ ኮይኑ ነንሕድሕዶም ዘርፍታት ማለት ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ሽሐ ቅርሺ፣ ንሕትመትን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ዘትሕዝ፤

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

9 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ ካብ 27/03/2011ዓ/ም - 17/04/2011ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ 18/17/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ይኽፈት።

10 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኾይኑ ብዘይ ምህላዎም ካብ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

11 ዝተመልአ ሰነድ ጨረታ ዋና ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ኣለዎም።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-610151/0978-606868 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝቀረበ ንብረት 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰል ኣለዎ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo