ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ እንደርታ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንኣብያተ ፅሕፈት ስረሕቲ አገልግሎት ዝዉዕሉ ፅገና ሞተር ሳይክል ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ኣገልግሎት ክረክብ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ

በዚ መሰረት ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም ግብሪ ዝከፈለ

2 tin number (መለለይ ቁፅሪ) ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ 2011 ዓም ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል 

5 ተጫረቲ ንሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወረዳ እንደርታ ቢሮ ቁፅሪ 02 ምዉሳድ ይከኣል።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድቦንድ 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ) ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

7 ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 10/04/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

8 ተጫራታይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ መፂኡ ዝፅገን ምዃኑ ዝተዓደጉ ኣቅሑት ሞተር ሳይክል እውን ባዕሉ የረጋግፅ።

9 ዝስዓረ ኣካል ዝፍለየሉ ንዝትሓተቱ ጠቅላላ ኣቅሑት ብዝትሓተተ ድምር ዋጋ ዝተሓተተ ዋጋ ሒዙ ዝቀርብ ሰዓራይ ይኸውን።

10 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ኣብ ሓደ ፖስታ ቅዳሕ ኣብ ሓደ ፖስታ ነንበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

11 እቲ ሰነድ ሙሉእ ኣድራሻ ተጫረቲ ማህተም ፊርማ ክህልዎ ኣለዎም።

12  ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና ምስ ቅዳሕ ስርዝ ድልዝ ክገብሩ የብሎምን።እዚ ንዝገበረ ተጫራቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።

13 እቲ ፖስታ ኣብ ላዕሊ ብማርከር ክፅሓፈሉ ድማ ክኽእል ኣለዎ።

14እቲ ትካል ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕሉዉ እዩ።

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo