ንወረዳ ራያ ዓዘቦ ቤት ፍርዲን ከተማ ኣላማጣ ግልጋሎት ዝውዕል ፅሕፈት መሳርሒን፣ ኣናእሽቲ ኣቅሑት፣ ፅሬት ኣቅሑትን ፣ናይ ሕትመት ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ራያ ዓዘቦ

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት ንዘማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም።

1 ብዘርፉ ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይነት ዘለኩም ቫት ዝተመዝገብሉ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ዲክለሬሽን ከቅርቡ ዝኽእሉ

2 ናይ ኣናእሽቲ ኣቅሑት ብዝምልከት ትሕቲ ቫት ዘለዎ ንግዲ ፍቃድ ይምልከቶም እዩ።

3 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ቲን ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳአታ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

4 ናይቶም ንብረት ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ 20.00 ብር ብምኽፋል ካብ ዕለት 21/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ፍርዲ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብምውሳድ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ፖስታ ብምእሻግ ናይ ተጫራቲ ሽምን ፊርማን ማህተምን ብምቕራብ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክፍሊ ቁፀሪ 01 ምእታው ይከኣል።

5  እቲ ጨረታ ዕለት 11/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ፍርዲ ኣላማጣ ይኽፈት።

6 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብር 3000.00 ብገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ዝተረጋገፀ ከትሕዝ ዝኽእል

7 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ብር 10% መኸበሪ ውዕሊ ብሲፒኦ (ብገንዘብ) ከትሕዝ ዝኽእል

8 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ዝተስማዕምዕሉ ዕለት እንተዘይኣቅሪቦም ንመኸበሪ ውዕሊ ዘትሐዝዎ ገንዘብ ብቅፅዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኾን

9 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ እቲ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ይገብርን ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ቤት ዕዮና የቕርቡ።

10 ካብቲ ዝተጠቀ  ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ተባሂሉ ከቅምጥን ኣብቲ ስፔስፊኬሽን ዘይተነፀረ ንብረት ምቕማጥን ኣይፍቀድን ውድቂ ይኸውን።

11 በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሓለወን ኦርጂናል ዝኾነ ምዃኖምን ኣረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ።

12 እቲ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

13 እቲ ቤት ፅሕፈት 20% ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰል ኣለዎ።


ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo