ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ብናይ መደበኛ በጀቱ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ መኪና ፅገና ናይ ጉልበት ዋጋን ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ማእኸል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምክፋሉ ወረቐት ምስክር ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ጨረታ ዉሕስና መክብሪ ብር 3000.00 ብማእከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጂ ገፀርን መቐለ ሽም ብስፒኦ ወይም ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዘብን ከትሕዙ ይግባእ፤

3 ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበርኩም መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቅርቡ አለዎም

4 እቲ ጨረታ ብክልተ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ክቀርብ ዘለዎ እንትከዉን ዋንኡ ምስ ኮፒ ሰነድ ናይት ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ። ናይ ንግዲ ፍቃድ ቲን ዝተመዝገቡ ቃላ መሓላ ናይ መቅረባይ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ስፒኦ ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ብኦርጅናል ዶክመንት ከታሓሓዝ አለዎ

5 ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ በቐፅሪ 1 ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) ከፊሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይክእሉ። ከምኡዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም።

6 ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዩም ቅድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዝ ገደብ ብስልኪ ቍፅሪ 03 48 99 03 10 ክሓቱ ይክእሉ።

7 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 24/03/2011 ክሳብ 05/04/2011ዓ/ም ኮይኑ ዕለት 05/04/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብዚ ዕለት እዙይ ማለት እዉን ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ማእከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጅን ገፀርን መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 4 ይክፈት ይኩን እምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝከፈተሉ ግዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን።

8 ማእከል ምርምር ሜካናይዜሽን ሕርሻ ኢነርጅን ገፀርን መቐለ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

9 ተጫረቲ ትካል ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ አታዊ ክገብር  ዝክእል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo