ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ዘድሊ ሎት 1 ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ኽዳንን ጫማን፣ ሎት 2 መጋረጃታት፣ ሎት 3 ዝተፈላለዩ ናውቲ ፅሬት ፣ ሎት 4 ዓራት፣ ሎት 5 ፀባ፣ ሎት 6 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ሎት 7 መለዋወጢ ኣቅሑት ተሸከርከርቲን ማሽናትን ፣ ሎት 8 ንፅገናታት ዝውዕሉ መፋትሕን ማሽናትን፣ ሎት 9 ዲስክ ቶፕ ኮምፒተራት፣ ሎት 10 GI ከምኡውን DCI ቱቦታትን መገጣጠምታትን ሎት 11፣ GI ከምኡውን GS ቱቦታትን መገጣጠምታትን፣ ሎት 12 HDPE መገጣጠምታትን GI GS ቱቦታትን መገጣጠምታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕ ማይ ትግራይ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ዘለዎ::

2 ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝኾነ:: ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፤

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎ፤ መረዳእታ መቅረባይነት ዝሓዘ፤

4 ተጫረቲ ንሎት 8 10 11 ሰነድ ጨረታ ውድድሩ ብሎት ስለዝኾነ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ሰነዳት በበይኑ ዋናን ቅዳሕን ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፤

5 ንሎት 1 2  3 4 5 6 7 9 12 ድማ ፋይናንሻል ሰነድ ጥራሕ ተዓሺጉ ከቀርብ ኣለዎ፤

6 ተጫረቲ ዘቅረብዎ መወዳደሪ ሓሳብ ከምኣድላነቱ ዓይነት ኣቅሓ መፍረያይ ዘፍረየሉ ዓዲ ዝፈረየሉ እዋን ሞዴል ዓይነትን ቁፅርን ዘመላኽት መረዳእታ ከቅርቡ ይኽእሉ እዮም።

7 እቲ ትካል ሰዓራይ ጨረታ ዕላው ቅድሚ ምግባሩ ዝኾነ ግዜ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

8 መኸበሪ ጨረታ ንሎት 1 30000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሎት 2 3 4 5 6 9 12 ንሕድሕዶም 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሎት 7 100000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሎት 8 10000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሎት 10ን 11ን 20000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተዓሺጉ ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

9 መኸበሪ ውዕሊ 10% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ቅድሚ ውዕሊ ምእሳሩ ከትሕዝ ኣለዎም፤

10 ተጫረቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዕዳጋ ቀዳም ጥቃ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኣካል ብምቅራብ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ።

11 ጨረታ 03/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅ.ቀትሪ ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለት ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት:: ይኹን ምበር እቶም ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ይረኸቡ ኣይረኸቡ እቲ ሰነድ ምሉእ እንተኾይኑ ጨረታ ዝኽፈት ይኸውን።

12 መተሓሳሰቢ እቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ መዓልቲ ህዝባዊ በዓል እንተወዒሉ ቀፂሉ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝኽፈት ይኸውን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-407761/0342-400316/0342-404674 ምርካብ ይካአል እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo