ዞባ ደቡብ ምብራቅ ፍትሒ ካብ መደበኛ በጀት ን2011 ዓ/ም ግልጋሎት ዝውዕል ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት ኣቅሑት፣ ሕትመት ትሕቲ ሓደ ዓመትን ኣናእሽተይ ኣቅሑት ናይ ቢሮ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቃዶም ዘሐደሱ፣ ቲን ቁፅሪ ዘለዎም ቫት ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡ፤

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ ንፅሕፈት መሳርሒ 3000.00 ፅሬት ኣቅሑት 3000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሕዘ ዝኽእል ኦርጂናል ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዠተኣሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ኣብ ዘቀረበ ናይ ጨረታ ዶከመንት ኣብ ሕድሕድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ ኣለዎ።

4 ተጫረታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ዝርዝር ስፔስፊኬሽን እዚ ጨረታ ብድምፂ ወያነ ሬድዮ ካብ ዝተቃልሐሉ ዕለት 20/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ፍትሒ ን/ከ/ስ/ዕ/ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 20.00 ( ዒስራ ቅርሺ) ብምኽፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 11/04/2011 ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ስራሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

5 እቲ ጨረታ ዕለት 11/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ዞባ ደቡብ ምብራቅ ፍትሒ ዕ/ፋይናንስ /ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

6 ተጫረቲ ቢሮ ካብ ዘውፅኦ ስፔስፊኬሽን ዝርዝር ወፃኢ ምቅራብ ኣይከኣለን።ካብዚ ወፃኢ ዘቅርብ ውደቂ ይኸውን ከምኡውን ብእርሳስ ክምላእ የብሉን።

7 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ውዕሊ መኸበሪ 10% ብምትሓዝ ካብ ውዕሊ ዝኣተውሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ይግበር።

8 እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ።

9 ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን  ጀሚሩ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ የቅርብ።

10 ተጫራታይ ግልፂ ኣብ ዘይኮነሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ዝኽእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸውን።

11 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ዞባ ደቡብ ምብራቅ/ ፍትሒ/ፋይ/ዕ/ን/ምም/ር ምሕታት ይከኣል።

ስ.ቁ 0342-418898 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo