ማሕበር ረደኤት ትግራይ ( ማ.ረ.ት) ዝተፈለላዩ ናይ ማይ ሞተራት ኤሌክትሪካል ጀነሬተርን ሚክሰርን ቫይብሬተር (Water pump, Electrical generator, Mixer and vibrator) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 (200.00) ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይኽእሉ፤

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ፣ ቲን ቁፅሪ ፣ ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባእ። ፎቶ ኮፒ ሒዞም ከቅርቡ ኣለዎም።

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልተ ካብ ሚኢቲ) ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለኩም።

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ማለት 19/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 04/04/2011 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሽተ 5:00 ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረትኦም ከቅርቡ ይኽእሉ።

5 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 04/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት። ከምኡውን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንክፈት ምዃና ንሕብር።

6 እቲ ዝተውሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን። እቲ ዝመላእኩዎም ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ። ከምኡ ድማ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification ) እቲ  መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

9 እቲ ድርጅት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo