ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ካብ ሓምለ 01/2006 ዓ/ም ጀሚሩ -30/10/2009 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ክገብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሐፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደልኩም ውልቀ ኦዲተርን ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ክገብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ንክትሳተፉ ይዕድም።

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሒ

1 ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ (ትካልና) ኦዲት ንምክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለኩም

2 ናይ 2011 ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝገባ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ተመዝጋቢ ንዝኾነ ) ፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት (tin number ) ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳእታት ምስ ዋና ዝተገናዘበ ፎቶ ኮፒ ከቕርበ ዝኽእለ፤

3 ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ መቀለ ከተማ ትካል ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ፤

4 ጨረታ ሰነድ ካብ ማእኸል ሃወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 07 ዘይምለስ ብር 30.00 /ሰላሳ ብር /ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 14/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/03/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒክን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእታኦም ምስ ዋና (ኦርጅናል ብምግንዛብ ፋይናንሸል (ዋጋ) መወዳደሪ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ አብ ክልተ ፖስተ ቴክኒካል ደማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክለተ ፖስተ ብጠቅላላ ኣብ 4ተ ፖስታ ብዝግባእ ተዓሺጉ ኣብ ሕድሕዱ ፖስታ ድማ ተጫረቲ ሽሞም፣ኣድራሻ፣ፊርማ፣ኦርጀናል (ዋና) ን ኮፒን ተባሂሉ ተፃሒፍሉን ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማአታት ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 07 ዝተዳለወ ሳፁን (ሳንዱቅ) ክሳብ ዕለት 28/03/2011 ሰዓት 3:00 ክአትው ኣለዎም።

6 እቲ ጨረታ ኣብ ማእከል ሓወልቲ ሰማአታት ትግራይ ቢሮ ቁፀሪ 07 ዕለት 28/03/2011 ዓ/ም ልክዕ  ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረኸብሉ ይኽፈት፤ ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ቤት ዕዮና ጨረታ ፖስታ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-400058 ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo