ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘሎዎም ንብረታት ዘገልገሉ ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን : ናይ መኪና ጎማን ባትርን ከምኡውን መሳርሒ ህንፃ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ  እትደሊዩ ናብ ትካልና ብኣካል ብምምፃእ እቲ ንብረት ብምርኣይ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ከተማ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ  ካብ ዕለት 10/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 30/03/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::

1 ተጫረታይ ቅድሚ ሰዓራይ ምዃኑ ናይ ማይ ትቦታት መገጣጠሚ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣መኸበሪ ጨረታ ከትሕዙ ኣለዎም።ንዝተረፉ ንብረታት ድማ 500.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፤

2 ተጫረቲ ንዝጫረተዎ ንብረት ብፖስታ ብምዕሻግ ናብ ሳፁን ከእትው ኣለዎም።

3 ኣብቲ መምልኢ ወረቀት (ሰነድ) ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

3 እቲ ምልክታ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ 10/03/2011ዓ/ም- 30/03/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ክፍቲ ኾይኑ ኣብቲ ግዜ ንሱ ልክዕ ሰዓት 4:15 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይኽፈት።

4 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ የልዕል።

5 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0923-303430 0914-043039

ኣድራሻና ከተማ ዓብይ ዓዲ 03 ቐበሌ ንመስመር ሓዉዜን ዘዉፅእ መንገዲ ንርከብ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo