ንወረዳ ዓድዋ ከተማ ዓድዋን ኣብያተ ፍርዲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣናእሽተይ ኣቅሑት፣ ኣንእሽተይ ኣቅሑት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ሕትመት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ናይ ቢሮ ቀወምቲ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ

1 ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይኖም ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 30  ማዓልቲታት ዛዚሞም ከቅርቡ ይግባእ።

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ቢድ ቦንድ 4000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከቅርቡ ኣለዎም።

3 ቅሬታ ምቅራብ ዝከኣል ሰዓራይ ጨረታ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ ቅሬታ ምስማዕ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልታት ኮይኑ ውዕሊ ክኣስሩ ናይ ዝሰዓርዎ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎምን ዘሐደሱን ምዃኖምን ዋና ምስ ቅዳሕ ከቀርቡ ኣለዎም።

5 ተጫረቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን በብወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ዝኸፈሉ ምዃኖም መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም።

6 መለለይ ቁፅሪ ከፈላይ ግብሪ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቀርቡ ኣለዎም።

7 እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ 06/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 15 መዓልታት ዝርዝር ዘድሊ ሰነድ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምር/ንብረትን ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ብሽመዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 20/03/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ናብ ሳንዱቅ ክተእትው ይግባእ።

8 ሳንዱቅ ጨረታ 20/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ  ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ዓድዋ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምምር/ንብረትን ይኽፈት።

9 ተጫረቲ እቲ ዝሰዓርዎ ንብረታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ የቅርቡ።

10 ጨረታ ኣብ ዝኽፈተሉ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ክረከቡ ኣለዎም።

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ነብሲ ወከፍ ንብረት 25% ክውስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል።

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-711532 ምድዋል ይከአል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo