ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንዝተፈላለዩ ንብረታት ግዚኡ ዝሓለፎ ደረቅ ወንበር ስበርባር፣ ዓረብያ ፣ ናፕሳክ፣ ኮምፒተር፣ ፕሪንተር፣ ዝተፈላለዩ ካልኦት ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክንሸይጥ ንደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

1 ናይቲ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ዝኾነ ንግዲ ፍቃድ ይሃልዎ ኣይሃልዎ በዘይገድስ ከወዳደር ዝኽእል ምዃኑ፤

2 ሰነድ መግዝኢ ጨረታ ዘይምለስ 30.00 ( ሰላሳ) ብር ከፊሎም ካብ ዕለት 13/3/2011 ዓ/ም -24/03/2011 ዓ/ም ካብ ወረዳ ሓውዜን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ብፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ጨረታ ሰደቃ ክኣቱ ዝኽእል፤

3 ጨረታ መኽበሪ 3000.00 (ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ  ዝክእል::

4 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

5 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዐ ወይ ከጭበርብር ዝሞከረ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ ጨረታ መኸበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ዕደጋን ንበረትን መምርሕን ድንጋገን ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን።

6 ሕጋዊ ናይ ማንነት ( መታወቂያ) ፎቶ ኮፒ ተገይሩ ከታሓሐዝ ዝኽእል፤

7 ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኾነ ይኹን መማሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ዘይፍቀድ ምዃኑ

8 ተጫራታይ ዝሰዓረ ምዃኑ ካብ ዝፍለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ (10) መዓልቲ እቲ ንብረት ሙሉእ ክፍሊት ከፊሉ ከልዕል ዝኽእልን ፤ ገንዘብ ከፊሉ ንብረት እንተዘይኣልዒሎምን ፤ ዝከፍልዎ ገንዘብን እቲ ንብረትን ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪን ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

9 ኣብቲ ጨረታ ከይዲ ቅሬታ እንተሃልይዎም ጨረታ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጥሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 3( ሰለስተ) መዓልቲ ቅሬትኡ ናብ ትልምን ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት ከቅርብ ይኽእል።

10 እዚ ጨረታ ለት 24/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ 8:30 ኣብ ወረዳ ሓውዜን ት/ፋ/ከስ/ዕ/ፋ/ምም/ንብረት ምምሕዳር በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል አብ ዘለውሉ ይኽፈት።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-670078/0914-440278 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo