ትካልና ዲቢኤል ኢንዱስትሪ ሓ.ዝ.ው.ማሕበር ደረጃ “B”ን “ C”ን ተረፈ ምህርቲ (Knitting rags) በዝሒ 250 ኩንታል ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ። ሰዓርቲ ናይ 03 (ሰለስተ) ኣዋርሕ ኩንትራት ክኣስርን ስለዝደሊ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ኣብ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም።

ዲ.ቢ.ኤል ኢንዱስትሪ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

1 ተጫረቲ ናይ 2011 ዓ/ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝኸፈሉን ፈቃዶም ዘሐደሱን ክኸውን  ይግባእ።

2 ተጫረቲ ንጨረታ ዘቐረበ ተረፈ ምህርቲ (Knitting rags) ኣብ ኲሓ ብለት ኣብ ዝርከብ ፋብሪካና ኩሉግዜ ካብ ሰኒ ከሳብ ቀዳም ካብ ዕለት 19/11/2018- 24/11/2018 ኣ.ፈ ንጉሆ ካብ ሰዓት 2:30 ክሳብ ድ.ሰዓት 11:30 ብኣካል ብምቅራብ ክሪእዎን  ዋግኦምን ንሓደ ኩንታል ብክንደይ ከምዝገዝኡ በዚ ዝስዕብ ሰደቃ መሰረት ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነቲ ጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

ሰደቃ ዋጋ (price table)

 ተ.ቁ S/N

 ደረጃ Grade

ዋጋ /ኪሎ Price/KG

መብርሂ remark

1

Grade B ( cutting Waste)

2

Grade C ( sewing Waste)

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ብር 5000.00 ( ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ከትሕዙ ይግባእ።

4 ጨረታ ዕለት 24/11/2018 ኣ.ፈ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ድ.ሰዓት ድልየት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኽፈት ይኸውን።

5 ኣሸናፊ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፍሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 (ዓሰርተ) ናይ ሰራሕ መዓልቲ ጨረታ ዘሸንፍሉ ጠቅላላ ሒሳብ ኣታዊ ብምግባር ዝሰዓርዎ ተረፈ ምህርቲ  (Knitting rags) ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ሰብን ሓይልን ከልዕሉ ይግባእ።እንተዘይኮይኑ ነቲ ጨረታ ዘትሓዝዎ ጨረታ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካልና ዝሓሸ ኣማራፂ ይወስድ።

6 ትካልና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝትሓለወ እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo