ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንኣገልግሎት ቢርኡ ዝውዕሉ ዲጅታል ካሜራን ፣ ቪድዩ ካሜራን ኤክስተርናል ሃርድ ዲስክ ንናይ ኢንተርኔት ሲይስተም ግልጋሎት ዝውዕሉ ሲስኮ ስዊች ፣ ስዊች 24 ፖትስ ጊጋባይት ኢንሀርኔት መፅናዕቲ ውፅኢታውነት ስልጠና ሞያ መማህራን ሓይሊ ሰብ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ከስርሕን ይደሊ።

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ

1 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ                  

2 ወረቅት ምስክር መቅረባይነት ዘለዎም

3 መረዳእታ መለለይ ከፋለይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ዝሽወጠሉ ቦታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ንሕድሕድ ዘይምለሰ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 11/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 26/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኩሉ ሻብ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ክሳብ 26/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 12 ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክእሉ።

7 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 26/03/2011 ዓም ሰዓት 8:45 ይዕሸግ እዚ ጨረታ 26/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት

8 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕዱ 3000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ

9 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምካኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእል፤

10 ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብርሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።

10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ንናይ ኢንተርኔት ሲይስተም ግልጋሎት ዝውዕሉ ሲስኮ ስዊች ፣ ስዊች 24 ፖትስ ጊጋባይት ኢንሀርኔት ኣብ ዉሽጢ 20 ተከታታልቲ መዓልቲታት :ንዲጅታል ካሜራን ፣ ቪድዩ ካሜራን ኣብ 30 ተከታታልቲ መዓልቲታት ብመሰረት እቲ ዝወፀ ዝርዝር ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ንብረት ክፍሊ ከረክብ ይግባእ።

11 ዝኮነ ተጫራታይ ቤት ዕዩና አብ ዘቀመጦ ዝርዝር ዝዉስክ ወይ ዝንኪ ካብ ዉድድር ወፃኢ ዝገብር ምካኑ ክፈልጥ ይግባእ።

12 ንናይ ኢንተርኔት ሲይስተም ግልጋሎት ዝውዕሉ ሲስኮ ስዊች ፣ ስዊች 24 ፖትስ ጊጋባይት ኢንሀርኔት፣ :ንዲጅታል ካሜራን ፣ ቪድዩ ካሜራን ከምኡ ውን ንኢምፓክት ኣሰስመንት ወይ መፅናዕቲ ውፅኢታውነት ስልጠና ሞያ ትምበያ መማህራ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ነንበይኖም ብምዕሻግ ከቅርቡ ይግባእ።

12 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳከኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477 / 0344-408299 ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo