ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ካብ መንግስቲን ብዝተፈላለዩ በጀት ዕደጋ ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት ውን መሳርሒ ፅሕፈት፣ መሳርሒ ፅሬት፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቀሑት ኤሌክትሪክ፣ ኣቀሑት መለዋወጢ መኪና (ስፔር ፓርት)፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክሰ ክትወዳደሩ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ፤

ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ሰርቲፊኬት /TIN/ ክተቕርቡ ትኽእሉ፣

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን፤

4  ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት /ሰርቲፊኬት ዘለኩምን

5 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትኸፍሉ ትኽእሉ፤

6 ነዚ ግልፂ ጨረታ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) ብምኽፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ( ቀፅሪ መሰረተ) ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ካብ 06/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ - ዕለት 26/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 11:00 ንምውሳድ ኣብ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ኦርጂናልን ኮፒን ብምባል ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምአታው ትኽእሉ፣

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ዋጋ  ንመሳርሒ ፅሕፈት ብር 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ ንመሳርሒ ፅሬት 2000.00 (ክልተ ሽሕ ቅርሺ) ፣ንመሳርሒ ህንፃ 15000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ፣ ንኣቅሑት ኤሌክትሪክ 5000.00 (ሓሙሽተ ሸሐ ቅርሺ) ንኣቅሑት መለዋወጢ መኪና (ስፔር ፓርት ) 3000.00 ( ሰለስተ ሽሐ ቅርሺ) ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 3500.00 (ሰለስተ ሽሕይ ሓሙሽተ ሚኢቲ)  ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከተሓሕዙ እትኽእሉ። ዝርዝር ንብረት ካብ ሰነድ ጨረታ ምርኣይ ይከኣል።

8 ዘቅርብዎም ዝርዝር ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ከኸውን ኣለዎ።ስርዝ ደልዝ እንተሃልይዎ ተቀባልነት የብሉን።

9 ተጫረቲ ንፎቶ ኮፒ ወይ ቅዳሕ ከምኡውን ንፕሪንት እተቅርብዎ ቀለም ናይ ደገን ውሽጢን serial number (መለለይ ቁፅሪ) ክህልዎ ይግባእ። ዋና ምዃኑውን  ን6ተ ወርሒ ውሕሰና ጋራንቲ ከቅርቡ ይግባእ።

10  ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 27/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ቀፅሪ መሰረተ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 08 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት። ተወደደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

11 ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ኮሌጅና ናይቲ ዝግባእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ።

13 ተወዳደርቲ እተቕርበዎ ንብረት ብቴክኒክ /ፅሬት ኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

14 ድሕሪ ውዕሊ ምእሳር ዝሰዓረ ንብረት ናብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቀለ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝን፣ መራገፍን ኣታዊ ክገብር ይግባእ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-404592 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo