ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ዓቐን ዘሎዎም ንብረታት ን 2011 ዓ/ም ንኣጠቃላሊ ነቲ ዓመት ስራሕ መካየዲ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን : ፅሕፈት መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት : ኣቅሑ ቢሮ (ፈርኒቸር) : ናይ መኪና ጎማን ካላማደሪያን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎ ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ዓ/ዓዲ

ስለዚ ክትጫረቱ  እትደሊዩ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሃደሰ ፣ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለኩም፣ ቫት ተመዘገብቲ ምካንኩም መረዳአታ መለለይ ካርድን ከምኡዉን ናይ መቕረባይነት ወረቐት ዘለኩም ክትወዳደሩ ስለ እትክእሉ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈትና ብምቕራብ ዝርዝር ናይቲ  አቑሑት ዝሐዘ ሰነድ ብር 100.00 ሓምሳ ዘይምለስ ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምርን ብአካል ብምቕራብ  ካብ ዕለት 10/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዉሽጢ ሰነድ እናመፃእኹም ክትወስዱ ክትዕድጉ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ነጥቢታት ኣብቲ ሰነድ ግልፂ ጨረታ ከማልኡ ይግባእ::

1 በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ዘመን ግብሪ ዝከፈሉ ዘሐደሱ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ብምቅራብ

2 ዝተመዝገበሉ መለለይ ቲን ኮፒ ከቅርብ ዘለዎ

3 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ምስክር ወረቐት ዘለዎን ዝክፍልን ኮፒ ከቅርብ ዘለዎ

4 ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቀት ኮፒ ዝተሐደሰ ከቅርብ አለዎ

5 ናይቲ ጨረታ መክበሪ ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጥምን 6000.00 ብር : ፅሕፈት መሳርሒ 3000.00 ብር : ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት 3000.00 ብር : ፈርኒቸር 3000.00፣ ንናይ መኪና ጎማን ካላማደሪያን 3000.00 ፣ ብር ብኣፍለጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ከዓ ብጥረ ገንዝብ ከቅርብ ዝኽእል:;

6 ቫት ሓዊሱ ከመልእ አለዎ::

8 ናይ ወርሒ ታሕሳስ/ጥሪ ዴክላረሽን ዝክፈለሉ ኮፒ ኽቕርብ አለዎ::

9 ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን /ምም/ ር ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኩም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቀሱ አድለይቲ ዶክሜንት ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኖም ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታ ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ ባዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምዕራፍ ናብ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብክልተ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ናብቲ ሰነድ ጨረታ መእተዊ ዝተዳለወ ሳፅን የእቱ::

10 እቲ ምልክታ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐለሉ ካብ ዕለት 10/03/2011 ዓም ክሳብ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ሰዓት ክፍቲ ኮይኑ ይፀንሕ።

12 እቲ ዝተዳለወ ሳፁን ጨረታ 02/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:31 ናይ ድሕሪ ሰዓት ይዕሸግ።

13 ጨረታ ዝኽፈተሉ ቦታ ዓብይ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ መካየዲ ስራሕ ዕፋንምምር ኮይኑ ዕለት 02/04/2011። ዓ/ም ሰዓት 8:40 ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ዘይተረከብሉ እዉን እቲ ጨረታ ይኽፈት።

12 ዝሰዓረ ተጫራታይ ንዘሸነፈሎም ኣቁሑት መጎዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ባዕሉ ይሽፍን/ ናብ ዓ/ ዓዲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቀረብ መስተ ማይ ፈሳስን የርክብ::

13 ተጫራታይ እቲ ጨረታ አሸኒፉ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ ብምእሳር በቲ ውዕሊ መሰረት ኣብ ዝተብሃሎ  መዓልቲታት  ንብረት ብሙሉእነት የቕርብ::

16 ሰዓራይ ኮይኑ ብዉዕል መሰረት ብእዋኑ ኣቑሑት ንዘይኣቅረበ መቕረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት አብ መዓልቲ 1/1000 ብር ይቕፃዕ::

17 ዝኾነ ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዋጋ አብቲ ዝወስዶ ዝተዳለወ ባዶ ጨረታ ሰነድ ብትክክል አቐሚጡ ክወዳደር አለዎ ካብኡ ወፃኢ ብካሊእ ሰነድ ዘቕርብ  እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይቕበሎን  ዉድቂ ይኽዉን::

18 ካብ ዝተቀመጠ ስፐስፊኬሽን ወፃእን አብቲ ቅጥዒ መብረሂ ኣብ ዝብል ምንካይ :ምቅያር :ምስራዝ ኣይፍቀድን::

19  ተጫራታይ አብ ዘቕርቦ ናይ ግልፂ ጨረታ ሰነድ ሽሙ : ፌርሙኡ ኣድራሽኡን ማህተም ናይቲ መቕረባይ (ድርጅት ) ብትክክል ዘየቐመጠ ንምንባብ  አፀጋሚ ዝኾነ ፊደል ወይ አሃዝ ዘቐመጠ ብቀጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::

20 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

20 እቲ ዝቐርብ ሕድ ሕድ ንብረት ትኽክለኛ (ኦርጅናል) ክኽዉን አለዎ::

21 ዉሕስና ዘድልዎ ንብረታት ኣብ እዋን ዉዕሊ ዉሕስና ዝተሐተቶ ግዘ ክህብ ዝክእል

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0923-303430 0914-043039/0914-241516

ኣድራሻና ከተማ ዓብይ ዓዲ 03 ቐበሌ ንመስመር ሓዉዜን ዘዉፅእ መንገዲ ንርከብ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo