ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ 2011 በጀት ዓመት 1ይ ዙር ዕደጋ ዝተፈላለዩ ንብረት ምድብ1 (lot)ሃለቅትን ቀወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ምድብ2 (lot) ሃለቅቲ ናይ ፅሬት መሳርሒ ኣቅሑት፣ ምድብ3 (lot) ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት፣ ምድብ4 (lot) ናይ መኪና ሃለቅቲ ኣቅሑት፣ ምድብ5 (lot) ፈርኒቸር ኣቅሑት፣ ምድብ6 (lot) ዘገልግሉ ንብረታት ንጨረታ ንምቅራብ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ኣወዳደሩ ክዕድግ ክሸይጥን ይደሊ።

ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/

1 በቲ ዘፈር ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ክተቅርቡ ትኽእሉ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርቲፊኬት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእ

3 ንተወሳኺ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ናይ መስከረም 2011 ዓ/ም ቫት ዲክላሬሽን ኦርጂናል ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል

4 በዚ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይ ዘመኑ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክረ ወረቀት ኦርጂናል ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል

5 ናይ መወዳደሪ ዶክሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ከከውን ኣለዎ።

6 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ወዕሊ ካብ ዝኣስረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል፤

7 ተጫረቲ ዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታን ምድብ 1፣2፣3፣4፣5 ንዘለው ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕደ ሰነድ ዘይምለስ 100.00  (ሚኢቲ ቅርሺ)  ምድብ 6፣ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ብምኽፋል ኣብ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ቢሮ ቁፅሪ 103 ቤት ፅሕፈት ህ.ወ.ሓ.ት ምግዛእ ትኽእሉ። ምድብ 1 2 3 ካብ ዕለት 06/03/2011ዓም ክሳብ ዕለት 18/03/2011 ዓ/ም ኣብ ዘለው ተኸታተልቲ መዓልትታት  ክፍቲ ኮይኑ ፀኒሑ ኣብቲ ዕለት 18/03/2011 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት። ብተወሳኺ ምድብ 4 5 6 ካብ ዕለት 06/03/2011ዓ/መ ክሳብ 20/03/2011 ዓ/ም  ኣብ ዘለው ተኸታተልቲ መዓልትታት ክፍቲ ኮይኑ ፀኒሑ ኣብቲ ዕለት 20/03/2011 ዓ/ም ንግሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ውሕስና ንሕድሕድ ሰነድ ንምድብ 1 5000.00 ብር ፣ ንምድብ 2 ፣3፣4 3000.00 ብር፣ ጥራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ወይ ብቼክ ብሽም  ቤት ፅሕፈት ህ.ወ.ሓ.ት ፋይናንሰ ዘቅርብ ክኸውን ኣለዎም። ምድብ 6 ካብ ዝወዳደሮ ንብረት 3000.00 ብር ከትሕዝ ዝኽእል።

9 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

10 እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 25 % ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ።

11 ሰዓራይ እቲ ዘቅረቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈተሹ ትከክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ኮይኑ ናብ ገንዘብ ክፍሊት ይኣቱ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0342-419398-0935-231253 ምድዋል ይከኣል።

መተሓሳሰቢ ሰነድ ጨረታ ካብ ሰኑይ ዕለት 10/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ዝሽየጥ ምዃኑ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo