ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳደሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ኣብዙይ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ንዕድም።

ማሕበር መናእስይ ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

3 ናይ ቫት ወይ ቲኦቲ  እንተኮይኖም ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬት ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

4 መክበሪ ጨረታ ብር  3000.00 ስፒኦ  ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::

5 ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 30/02/2011 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትግራይ ይኽፈት

6 ሰነድ ጨረታን ዝርዝር አፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 12 ፋ/ምም/ር ካብ ካሸር 20.00 ብር እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትኽአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 30/02/2011 ክሳብ ዕለት 14/03/2011 ሽም፣ ኣድራሻ ፌርማ፣ ማህተምን ብምግባር ነብዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ አታዊ ይግበሩ::

7 አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከምዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ

8 አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል::

9 ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን

10 መ/ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

11 ኣብ ቀበሌ 03 ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ኣታዊ ዝገብር

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo