ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣገልግሎት እናሃባ ዝረከባ ተሽከርከርቲ መኻይን ኣብ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ምፅጋን ካብ ስሩዕ በጀት ንፅገና ኣገልግሎት ዝውዕል ብምድብ ብምክፋል ምድብ1- ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና ፤ምድብ 2- ጎማ መኪና ፤ ምድብ 3- ዘይትን ግሪስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ

ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከኣል

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት

1 ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ብቅዳሕ ዘቅርብን

3 ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ  መቅረባይነት ካርድ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ቅዳሕ ዘቅርብን

6 መኸበሪ ጨረታ ንምድብ 1-ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና  7000.00 ቅርሺ፣ ንምድብ 2- ጎማ መኪና 5000.00 ቅርሺ፣ ንምድብ 3-ዘይትን ግሪስን  3000.00 ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01- 100.00ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

8 ጨረታ ካብ 03/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/03/2011 ዓ/ም ዝፀንሕ ኾይኑ 18/03/2011 ዓ/ም  3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት።

9 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ።

10 ቤት  ፅሕፈትና በጀት መሰረት ብምግባር ኣብ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ።

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183 ብምድዋል ወይ ብኣካል መፂእኻ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo