መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም 2ተ ቱዲ ማሽን ኣልትራሳውንድ ክዕድግ ስለዝደለየ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ንኽትጫረቱ ይዕድም።

መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም

1 ዝተሓደሰ ናይ 2011 ዓ/ም  ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ምዃኑ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝኽእል

3 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝኽእል  

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ 03/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 20/03/2011ዓ/ም ካብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም ምውሳድ ይከኣል።

5 ሳንዱቅ ጨረታ 21/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት። ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጓገልን።

6 እቲ ቤት ዕዩ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7 ኩሉ ሰነድ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነንበይኑ ዋናን ቅዳሕን መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብቲ ቢሮ ቁፅሪ 45 ክተቅርቡ ኣለኩም።

8 ድሕሪ ቅሬታ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ  ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

9 ሰነድ ጨረታ ወይ ስፔስፊኬሽን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።

10 ሰዓራይ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት  ጀሚሩ ውዕሊ  መኸበሪ ከትሕዝ ኣትሒዙ ድማ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ንብረት የረክብ።

11 ሜላ ኣከፋፈላ ድማ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲጉዶም ብበዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ናብቲ ትካል ኣታዊ ይኸውን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0946-7935 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo