2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፅሕፈት መሳርሒ ካብ መቕረብቲ ብምዕዳም ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክትገዝእ ትደሊ በዚ መሰረት ኣብዚ ውድድር ክትሳተፉ እተደልዩ ተወዳደርቲ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ተ.ቁ

ዝርዝር

መዐቀኒ

በዝሒ

1

ደፍተር በዓል 50 ሉሕ

ቁፅሪ

14980

2

ሰመያዊ እስክሪብቶ ሊንክ ኦፌክስ ኦርጅናል

ፓኬት

248

3

ቾክ አብ ጫፉ በሊሕ ዝኾነ

ግሮስ

240

4

ዝተፈላለዩ እስፕረይ ቀለም

ቁፅሪ

114

5

ፕላስተር ሸራ

ቁፅሪ

240

6

ማርከር ኣርት ላይን 90

ቁፅሪ

328

7

ናይ ተምሃሮ ቦርሳ ( ብሳምፕል መሰረት)

ፓኬት

75

  ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓይነት ፅሕፈት መሳርሒ

ብብዝሓት

1 ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሱ::

2 ናይ ግብሪ ከፋልነት መፍለይ ቑፅሪ (TIN NO) መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ናይ መቕረባይነት ምዝገባ መረዳአታ ከቕርቡ ዝኽእሉን ናይ ቫት ተመዝጋቢን ናይ መወዳእታ ወርሒ ዲክለር ዝገበርሉ  መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ::

4 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድቦንድ 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ / ብቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሽም ብ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ 50.00(ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ካብ ማ.ል.ት ቤ/ፅሕፈት ቑፅሪ 400 ክወስዱ ይኽእሉ::

6 ሰዓራይ ምስሰዓረ ምሰፈለጠ ኣብ ውሽጢ 7ተ መዓልቲ ከአቱ ዝኽእል

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ን ፋይናንሻል ዶክመንት  ማሕተም ገይሮም  ሓደ ኦርጂናል ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብፖስታ ብምፍላይ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 30/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 15/03/2011 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳፁን ኣታዊ ክገብር ይግባእ::

8 ናይቲ ኣቅሓ ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቅርቦ ናይ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ተቐባልነት የብሉን።

9 እቲ ጨረታ 15/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ሰዓት 9:00  ድሕሪ ቀትሪ ኣብ አደራሽ ቢሮ ቁፅሪ415  ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዝተረኸብሉ ይኽፈት ::

10  ሰዓራይ ምስዓረ ምስተገለፀ አብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ክኣቱ ዝኽእል፤

11  ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-406944 ምድዋል ይከአል እዩ:;

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo