ኣክሱም ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ን 2011 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ: ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቐሑት :ናይ ቢሮ ኣቅሑት ንምግዛእን ንምፅጋንን፣ ናይ ፅሬት ኣቑሑት: ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ መስተታት፣ ዝተፈላለዩ ጨርቅታት፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላመደሪያን ንምግዛእን፣ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ንምፅጋንን ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ምሕታምን ስለዝደለየ ንሕጋዊ ነጋዶ ክጫረቱ ይደሊ ።

ኣክሱም ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ

።ስለዚ ካብ ዕለት 01/03/2011ዓ/ም ክሳብ ዕለት 17/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 6:00 ቅድሚ ሰዓት አብ ኮሌጅና ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን አብ ስራሕ ሰዓት ንፅሕፈት መሳርሒ፣ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን ንቢሮ ኣቅሑትን ንምግዛእን ንምፅጋንን   ዝተዳለወ ሰነድ ንሕድሕድ ዘይምለሰ ብር 50.00

ናይ ፅሬት ኣቑሑት:  ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ መስተታት፣ ዝተፈላለዩ ጨርቅታት፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላመደሪያን ንምግዛእን፣ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ  ኣቑሑት ንምፅጋንን  ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ምሕታምን ንሕድሕድ ዘይምለስ ብር 30.00 ከፊልኩም ብምውሳድ መወዳደሪ ዋጋ መሊእኹም ሕድሕድ ሰነድ በበይኑ ምስ ዶክሜንቱ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዘዳላናዩ ሳንዱቅ ምእታው ትኽእሉ።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ

 1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን  ብክልቲኡ ገፅ ሓደኮፒ ተቕርቡ

2 መለለይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለኩምን  ሓደ ኮፒ ተቕርቡ

3 ተወሳኪ እሴት ታክሲ /ቫት/ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም  ዲክለር ዝገበርኩምሉ ሓደ ኮፒ ተቕርቡ

4 ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩምን ኮፒ ተቕርቡ ኩሉ ተቅርብዎ መረዳአታ ብግልፂ ዝንበብ ከኸውን ኣለዎ።

5 ንፅሕፈት መሳርሒ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ንናይ ቢሮ  ኣቑሑት ንምግዛእን ንምፅጋንን  ቫት ዝተመዝገብኩም ጥራሕ ትወዳደሩ

6ናይ ፅሬት ኣቑሑት:  ናይ ሸቀጣ ሸቀጥ ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ መስተታት፣ ዝተፈላለዩ ጨርቅታት፣ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ጎማን ካላመደሪያን ንምግዛእን፣ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ  ኣቑሑት ንምፅጋንን  ዝተፈላለዩ ቅጥዕታት ምሕታምን ቫት ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን ክትወዳደሩ ትኽእሉ።

7 ንጨረታ መክበሪ ንፅሕፈት መሳርሒ : ንኤሌክተሮኒክስ ኣቑሑት ንናይ ቢሮ አቅሑት ንምግዛእን ንምፅጋንን  ንሕድሕድ ብር 5000.00

8 ንፅሬት ኣቑሑት፣ ንሸቀጣ ሸቀጥ ኣቑሑት : ንዝተፈላለዩ መስተታት፣ ንዝተፈላለዩ ጨርቅታት፣ ንሕንፃ መሳርሒ ኣቅሑትን ንሕድሕድ ብር 2000.00

9 ንሕትመትን  ንዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትርኒክስ ኣቅሑት ንምፅጋንን ንሕድሕድ ብር 1000 ብጥረ ገንዘብ ብስፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሕዙ ትኽእሉ

8 ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 17 /03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት

9 ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ኣብ ኣክሱም ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳር

10 ጨረታ  ዝኽፈተሉ ዕለት 17/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:45 ድሕሪ ሰዓት በዓል እንተኮይኑ ንፅባሒቱ በቲ ሰዓት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ ዘድሊ መረዳእታ ጨረታ ምኽበሪን አማሊኡ ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ዘይተረኸበ ተወዳዳራይ ከምዝሎ ተሓሲቡ ክወዳደርን ንዘሸነፎ ከቕርብን ይግደድ

11 ካብቲ ንጨረታ ዝወፀ ንብረት 20% ክቅንስን ክውስክን ከምንክእል

12 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ዶክሜንት ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ተቐበልነት አይህልዎን።

13 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ብምምፃእ ወይም ብስልኪ ቁፅሪ 0347-753705 ምድዋል /ምሕታት/ ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo