ኣብ ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ እትርከብ መለስ ዩኔን ዕ/ልቃሕን ሓ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ከብ ለካቲት 20/2007 ዓ/ም ክሳብ እዚ ደብዳቤ ዝተፃሓፈሉ ዕለት ዘሎ ናይ ስራሕ ምንቅስቃሰ ብናይ ውልቀ ኦዲተራት ኦዲት ክትግብር ትደሊ፤ ስለዝኾነ ነዚ ዝስዕብ ረቋሒታት እተማልኡ ብሽርክና ዝተዳለወ ይኹን ዝተፈቀደልኩም ውልቀ ኦዲተራት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

መለስ ዩኔን ዕቋርን ልቋሕን ሕብረት ሰራሕ ማሕበር

1 ናይዚ ዓመት ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ግብሪ ዝኸፈለን

2 ሙሉእ ኦዲት ክገብር ዝኽእል ማለት ( ርኢቶ ናይ ኦዲተር፣ ሒሳብ መሞከሪ ሚዛን ፣ ትርፍን ኪሳራ መግለፂ ፣ ሃፍትን ዕዳን መግለፂ፣ ካፒታል መግለፂ፣ ፍሰት ጥረ ገንዝብ ፣ናይ መተኣማመኒ፣ ድሕሪ ሒሳብ መዕፀዊ ወ.ዘ.ተ

3 ቅድሚ ሐዚ ቅፅዓት ይኹን እግድ ዘይተውሃቦ ምዃኑ መረዳእታ ዘቅርብ፤

4 ኦዲት ምስገበረ ኣብ ጠቅላላ ቀሪቡ ከረድእ ዝኽእል፤

5 ኦዲት ሪፖርት ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል፤

6 ኣብ ዩኔን ዕ/ልቃሕን ሕ/ስ/ማሕበራት ወይ ዩኔን ኩለመዳይ ሕ/ስ/ማሕበራት

ቅድሚ ሐዚ ኦዲት ዝገበረ መረዳአታ ከቅርብ ዝኽእል

7 ክፍሊት ዝፈፀሙ ኦዲት ሪፖርት ምስ ኣቅረቡ ዝምልከቶ በዓለ መዚ ምስ ኣረጋገፆን ምዃኑ ኣሚኑ ዝኣቱ፤

8 ተወዳደርቲ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልትታት ብዝተዓሸገ ፖስታ (ኢንቨሎፕ) ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ የእቱ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 07/03/2011 ዓ/ም ተዓፅዩ ዕለት 08/03/2011 ዓ/ም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅ.ሰዓት ይኽፈት።

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብሰ.ቁፅሪ 0345-5400570/0914-009548 ምደዋል ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo