ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ጋራዣት ብምውድዳር መኻይን ክፅግን ስለዝደለ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም።

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም

2 ወረቀት ምስክር ከፋሊ ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ወረቀት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ጋራዣት፣ ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መስከረም ወርሓዊ ድክለሬሽን ዝገበርሉ መረዳእታ  ዘቅርቡን

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ 100.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ መምርሒን ትልምን ፋይናንስን ጉጅለ ዕ/ምም/ር ንብረትን ምም/ር ዞባ ምዕራብ  ቢሮ ቁፅሪ 11 ካብ 26/02/2011ዓ/ም -11/03/2011 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫራቲ ሽም ፣ማህተም፣ ፊርማን ኣድራሻን ክግበረሉ ኣለዎ።

5 ተጫረቲ ዝወዳደርሉ ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ቅጥዒ ኣብ ባዕሉ ክመልኡ ኣለዎም።

6 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ተዓሺጉ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ  ጉጅለ ዕ/ምም/ር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 11 ካብ 26/02/2011ዓ/ም -11/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ንጉሆ ኣታዊ ክትገብሩ ይዕድም።

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 11/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ተጫረቲ ወይ ደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ በዚ ዕለት ሰዓት 3፡30 ምም/ር ዞባ ምዕራብ ጉጅለ ዕ/ምም/ር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 11 ይኽፈት።

8 ተወዳደረቲ በዘይ ምርካቦም ሳንዱቅ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተኣጓገልን።

9 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ኣብ ክልተ ፖስታ መሊኦም ናብ ሳንዱቅ ምእታው ይኽእሉ።

10 ተጫራታይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ 3000.00 ቅርሺ ንመኸበሪ ሰነድ ጨረታ ውሕስና ከቅርቡ ኣለዎም።

11 ኣገልግሎት  ፅገና መውሀቢ ቦታ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ ይኸውን

12 ተጫረቲ ንዝስዓርዎ ዓይነት ፅገና ውዕሊ ካብ ዝአሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ፅገና ክጅምሩ ኣለዎም።

13 ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480001 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo