ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ሎት 1 መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ሎት 2 ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ሎት 3 ታፔላ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ክዕድግ ይደሊ።

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግብኡ ረቋሕታት

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝኽእል

2  መረዳእታ መለለይ ወረቀት ምስክር ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ተጫረቲ ተወሳኪ አሴት ታክስ ምምዝጋብኩምን ናይ ወረሒ ነሓሰ  ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ ብመቕረባይነት ሰረተፍኬት መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 መኽበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሎት ብር ንሎት 1 15,000.00 ብስፒኦ/CPO/፣ ንሎት2 10000.00 ብስፒኦ/CPO/ ፣ ንሎት 3 5000.00 ብስፒኦ/CPO/ ክትሕዙ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም  ብዝተአሸገ  ኢንቨሎፕ  ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ነዚ  ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

7 እቲ  ጨረታ ካብ 23/02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ  እንትኸዉን 11/03/2011 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00  ይኽፈት::

8 ሰዓራይ ትካል ብዝተውሃቦ  ስፐስፊኬሽን መሰረት  ዘቅርብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ  ከቕርብ ይግባእ። አብ መወዳደሪ ዋጋ  ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከምዝሐወሰሉ ይዉሰድ::

9   ብስፐስፊኬሽን መሰረት ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ  መጎዓዓዝን ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ አታዊ ይገብር

10 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ መለዋወጢ አቅሑት መካይን ፣ኮምፒተርን ተዛመድትን   ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲታት ሎት 3  ታፔላ  ኣብ 45 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብር ይኸውን።ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

12 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ  ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ  0344-404715/ 0344-400451 ምድዋል ይከአል::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo