ትካል ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ማሕበር ንፕሮጀክት ስራሕቲ መንገዲ ከተማ መቐለ ኣግልግሎት ዝዉዕሉ ክልተ ሃፍ ክሪን (Half Crain ) ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረይ ይደሊ። በዚ መሰረት ናይ ምልዓል ዓቅሚ ሰለስተ ቶን : ስፖንዳ ንዉሓት 6 ሜትሮ : ናይ ስፖንዳ ስፍሓት 2.5 ሜትሮ : ናይ ምፅዓን ዓቅሚ 6000 ኪግ ሰብ ዋናን መካረይቲ ዝኾንኹም መቅረብቲ ትካላት ኣብዚ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዓዲግኩም ክትሳተፉ ይዕድም። ተ

ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማ

 ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ተጫረቲ 50000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ምስቲ ሰነድ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ አለዎም

2 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ክራይ  ንሐደ ሰዓት ኮይኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ክከዉን ይግባእ

3 ተጫረቲ በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝገልፅ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዋናን ቅዳሕን ፍቃድ መዘወሪ ማለት እዉን ሌብሬ ከቅረቡ አለዎም

5 ተጫረቲ ዝመልእዋ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብቲ ቤት ዕዩ ቢሮ ቁፅሪ 4 ኣብ ዝተዳለወ ሰንዱቅ ጨረታ ክእትዉ ይክእሉ

6 ዝሰዓረ መቅረባይ ዘቅርቦ ሃፍ ክሬን ነቲ ቅድም ኢሊ ዝተጠቀሰ እስፔስፊኬሽን ማለት እዉን ዝርዝር ረቆሒ መሰረት ምካኑ

7 ብናይ እቲ ትካል በዓል ሞያ ዝርዝር ኢንስፔክሽን ተካይዱ ምስ ተረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ናብ ስራሕ ክዋፈር ዝክእል

8 ምስናይ ትካልና ስራሕቲ ተኣሳሲሩ ንዝህለዎም ናይ ነዳዲ ወፃኢ ብትካልና ይሽፈን።

9 እቲ ጨረታ ካብ 22/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 11/03/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ።

10 እቲ ጨረታ 11/03/2011ዓ/ም  ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 8:30 ይክፈት።

9 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo