ቤት ፍረዲ ወረዳ ኣሕፈሮም ንመሳርሒ ፅሕፈትን ቀለልትን ሃለቅትን ኣቅሑት፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ሕትመት ፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣቅሑት ቢሮ ወይ ፈርኒቸር ወይደማ ቀወምቲ ንብረት ኣገልግሎት ዝውዕሉ ብግልፂ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ነዞም ስዒቦም ዘለው ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፍረዲ ወረዳ ኣሕፈሮም

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ 2010/11 ዓ/ም ፣ተመዝገብቲ ተወሳኺ አሴት ታክስ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘቅርብ

3 መዐደጊ ሰነድ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ቀለልትን ሃለቅትን ኣቅሑት፣  ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት ፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ተሽከርከርቲ፣ ኣቅሑት ቢሮ ወይ ፈርኒቸር ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ቤት ፍረዲ ወረዳ ኣሕፈሮም ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ 22/02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ምውሳድ ይከኣል።

4 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ኣብ ቤት ፍረዲ ወረዳ ኣሕፈሮም ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን 05/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ኮይኑ ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ወይ በመምርሒ መሰረት ይኸፈት።

5 ናይ ጨረታ መኸበሪ ውሕስና ቢድ ቦንድ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ቀለልትን ሃለቅትን ኣቅሑት፣ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት ፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ኣቅሑት ቢሮ ወይ ፈርኒቸር ወይደማ ቀወምቲ ንብረት ተሽከርከርትን 3000.00 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል።

6 ሰነድ ጨረታ ዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብንፁር ናይ ሓደን ጠቅላላን ዋጋ መሊእኹም ክሳብ 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ናብቲ ጨረታ ሳነዱቅ ክተእትወ ይግባእ።

7 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይበሉ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ድማ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

8 ተጫረቲ ጠቅላላ ዘሸነፍዎ ዋጋ 10% መኸበሪ ውዕሊ ብምትሓዝ ጨረታ ምስዓሮም ካብ ዝፈለጥሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ብዝተኣዘዘ መዐቀኒ በዝሕን ፅሬትን ከረክቡ ዝኽእሉ፤

9 እቲ ቤት ዕዮ ካብ ዘቅረቦ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ክሳብ 20% ክውስኽ ወይ ክቕንስ ይኽእል እዩ።

10 ብተወሳኺ ክሳብ 20% ኣብ ውሽጢ 3ተ ወርሒ ክውስኽ ይኽእል።

11 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 እዚ ዋጋ እዚ ን60 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

13 ተጫረቲ ሰዓርቲን ተስዓርቲን ብመዓረ ለጢፍና ነፍልጠኩም ምዃና ንሕብር።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-490187/0914-192268 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo