ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል አብ 2011 በጀት ዓመት ዝተበጀተልና በጀት መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ናይ ህንፃ መሳርሒታት ከም ቴንዲኖ፣ እስታፋ፣ ቆርቆሮ፣ ሲሚንቶ፣ ባህር ዛፍ፣ ብሎኬት፣ እምኒቃፀላ፣ፀሊም እምኒ፣ ፀፀር 002ን ሑፃን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ዓብዮ ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል

ተጫረቲ ከማልአዎ ዝግባእ ረቋሒ

1 ተጫረቲ በቲ ዘርፊ  ናይ 2010 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን አብ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ተጫረቲ ናይ ቫት ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ከፈሊ ግብርን መለለይ ቲን ናምበር ከቅርቡ ዝክእሉን

3 ተጫረቲ ናይ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ዲክለር ዝገበሩ ምዃኖም መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ መወደደሪ ዋጋ ብዘይ ስርዝ ድልዝ መሊኦም ብንፁር ሸምን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በብበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ዓሺጎም ንሕድሕድ ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ተማሊኡ ኣብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክእትዉ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዘሸነፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ አሲሩ መክበሪ ዉዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእልን ተጫራታይ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉትራንስፖርት ናብ ዓ/ዓዲ ቤት ህንፀት ማእከል ክቕርብ ዝክእል

6  ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ /Specification/ ዘይምለስ 30.00(ሰላሳ ቅርሺ) ብምክፋል ካብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቤት ህንፀት ማእከል ምዉሰድ ይኽእሉ፤

7 ተጫረቲ ዘቕርብዎ ንብረት ምርኣይ  /ሳምፕል/ ካብ ትካል ኣምፂኦም ክሪኡን ክወስዱን ዝኽእሉ

8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ግዜ ካብ ዕለት 21/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 12/03/2011 ዓ/ም  ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:00 ቅ.ሰዓት ይኽፈት።

9 ተጫረቲ ንጨረታ መክበሪ ዝምለስ 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

10 ተጫረቲ ብዘይ ኣግባብ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ስጉምቲ ንወስድ ምዃና ከምኡ እዉን ዘተሓዝዎ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ዝዉረስ ምኻኑ ክፈልጡ አለዎም

11 ተጫረቲ ግልፂ አብ ዘይኮነሎም ብአካል መፂኦም ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0348-460123 0914-154817 / 0930-314056 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

12 አብ እዋን ጨረታ ምርኣይ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ አለዎም፣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይ ምቅራቦም ጨረታ ምክፋት/ ምርኣይ/ ኣይተአጓጎልን

13 ማእከልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ትካልና ተጫረቲ ዘሸነፈዎ ንብረት ብፅሬት መረጋገፂ ኣካል (በዓል ሞያ) ፅሬቱ ተረጋጊፁ ኣታዊ ዝኮነ ንብረት ጥራሕ ሒሳብ ንኸፍል ምዃና ክፈልጡ ኣለዎም።

                                                             

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo