ቤት ፍርዲ ወ/ጣ/ኣበርገለ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ናይ 2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ንናይ ቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ኣወደዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ጣንቃ ኣበርገለ

1 ስለዚ በቲ መስመር ን2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ TIN፣ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ፣ቫት ተመዝገብቲ ንዝኾኑ ብመምርሒ መሰረት ወርሓዊ ቫት ዲክላሬሽን ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፤ ናይ ሕድሕድ ሰነድ ኦርጂናልን ኮፒን ብኽልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጉ ከቕርብ ዝክእል

2 ሰነድ ጨረታ እዙ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 20/02/2011ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታታ 5 መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ንሕድሕድ ዶክሜንት ዋጋ ዘይምለስ ብር 40.00 ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈትና ክትወስዱ ትኸእሉ ኾይኑ ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ወ/ጣ/ኣበርገለ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ዝኽፈት እንትኸውን ሰዓርቲ ሰዓራይነቶም ምስተገለፀሎም ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓለቲ ውዕሊ ዝኣስሩን፤

3 ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ንዝኾነ ሕጋዊ ነጋዳይ ክፉት ኾይኑ ኣብቲ ጨረታ ብቋንቋ ትግርኛ መሊኡ ከቕርብ ዝኽእል፤             

4 ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ ብዝእዝዞን መሰረት ዝፍፀም ኾይኑ ኣብዚ ዝሰፈረ ምስቲ ኣዋጅን መምርሕን ዝጓነፅ ቃል ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየገልግልን።

5 መኸበሪ ጨረታ ዝምልከት ንፅሬት ኣቅሑት፣  ንኤሌክትሮኒክስ፣ንሕትመት፣ ንናይ ቢሮ ፈርኒቸር፣ንደቀቅቲ ኣቅሑት ቢሮ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ

6 ኣብዚ ጨረታ ቅድሚ ውዕሊ ምእሳሩ ቤት ፅሕፈትና 20% ናይ ምቅናስ ወይ ምውሳኽ መሰል ኣለዎ።

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፀሪ 0344-220072 ወይ በኣካል ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo