ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ንኣብያተ ዕዮ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቁሑት ፅሬት : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና: ኣቁሑት ቢሮ፣ ዕጥቂ ስፖርትን ፣ናውቲ ሕትመትን ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ።በዚ መሰረት ነዞም ስዒቦም ዘለው ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ኣላማጣ
  1. ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል
  2. ዝተሓደሰ ናይ ዘመኑ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል
  3. መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ዘለኩም
  4. መሳሪሒ ፅሕፈት : ኣቁሑት መለዋወጢ መኪና :: ኣቁሑት ቢሮ ፣ዕጥቂ ሰፖርትን ናውቲ ሕትመትን ተመዝገብቲ እሴት ታክስ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ይግባእ
  5. ናይ ወርሒ ነሓሰ 2010 ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
  6. ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ መሳርሒ ፅሕፈት : ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑትን : ኣቁሑት ቢሮ ንብሰወከፎም 7000 ቅርሺ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ አለዎም
  7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ኣቁሑት ፅሬት : ንዕጥቂ ስፖርት፣ ናውቲ ሕትመት ንብሰወከፎም 3000 ቅርሺ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዙ አለዎም
  8. ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚርኩም ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ጥራሕ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምውሳድ ይከኣል
  9. ሰነድ ጨረታ ቅዳሕን ዋናን ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ዝብል መፍለይ ብፅሑፍ ብምግባር ክሳብ 04/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅ.ቀትሪ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእቲ ኣለዎ።
  10. ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከረክብ ኣለዎ።
  11. እቲ ጨረታ 19/02/2011 ዓ/ም ክሳብ 04/03/2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኾይኑ ሳንዱቕ ጨረታ 04/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣላማጣ ይክፈት
  12. ቤት ዕዩና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንትረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0347-740610 /0347-740003/0974-580453/0914-169925 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo