ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ናይ construct and supply net tunnel house ን2011 ዓ/ም ብፕሮጀክት በጀት ኣወዳዲሩ ከስርሕ/ክዕድግ ይደሊ::

ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቓዶም ዘሐደሱ፣ ቲን ቑፅሪ ዘለዎም፣ ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓ/ም ናይተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዲክለር ዝተገበሮ መረዳእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ክተሓሓዝ አለዎ::

2 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብሽም ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ዝተሰርሐ ናይ construct and supply net tunnel house 10,000 ብር ስፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ ኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::

3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ዕለት 15/02/2011 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 13 ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ነንሕድሕዱ ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም ዘሎ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኽኣል::

4 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::

5 እቲ ጨረታ ዕለት 05/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት::

6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብምትሓዝ ካብ ዘአተወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ንብረት ኣታዊ ይገብር::

7 እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 25% ምውሳኽን ናይ ምቕናስን መሰል አለዎ::

8 ተጫራታይ ግልፂ ኣብ ዘይኾነሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን::

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 ዘሸነፉ ትካላት ብናይ በዕሉ ተራንስፖርት ናብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ስቶር ዘእቲ 11 ንተወሳኪ ሐበሬታ ማእኸል 11 ምርምር ሕርሻ መቐለ ፋይናንስን ዕዳጋ ንብረት ምምሕዳር ምሕታት ይከኣል

መተሓሳሰቢ - ዘሸነፈ ትካል ናይቲ construct and supply net tunnel house መስርሒ ሙሉእ ማተሪያልን ናይ ሞያዊ ሓገዝን በሓፈሽኡ ነቲ ኔት ንምስራሕ ዘድልዩ ነገራት ካብ ዘሸነፈ ትካል ይኸውን።

ናይቲ ኔት ሃውስ ስርሒት ወይ ንምስራሕ ዘድልዩ ውሽጣውን ደጋውን ቴክኒካልን ስፐስፌኬሽን ንብረት መሰረት እነተሓሕዞ ዶክመንት ይኸውን።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo